ማንችስተር ሲቲ ዋንጫ ፕረሚየር ሊግ ክትዓትር ኣርባዕተ ጸወታታት ይተርፋ

Leroy Sane Image copyright Getty Images

ግጥማት ፕረሚየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ቀጺሉ ቀንዩ።

እታ ብዘይ ዓጋቲ ንበይና ኣብ ቅድሚት ትመርሕ ዘላ ማንቸስተር ሲቲ ንቼልሲ 1 - 0 ብምስዓራ: ካብተን ተሪፈናኣ ዘለዋ 9 ግጥማት፡ 4 እንተሲዒራ፡ ጎብለል ተባሂላ ዋንጨ ፕረሚየር ሊግ ናይዚ ዓመት ክትዓትር'ያ።

ካልእ ዉጽኢታት ምስ እንርኢ፡ በርንሊ ንኤቨርተን ከምኡ'ውን ብራይተን ንኣርሰናል 2 - 1 ኣፋንየናአን። ሰዋንዚ ንዌስትሃም ብገፊሕ 4 - 1 ሲዒራታ። 2 - 0 ዝተዓወታ ቶትንሃምን ሊቨርፖልን ድማ ንሃደርስፊልድን ኒውካስልን ሲዒረናአን።

ዋትፈርድ ንዌስትብሮም 1 - 0 ከተፋንዋ እንከላ፡ ለስተርን ቦርንሙዝን 1 - 1፡ ሳውዝሃምተንን ስቶክ ሲቲን 0 - 0 ማዕረ ተፈላልየን።

ብዘይካ'ቲ ሎሚ ሶኑይ ምሸት ኣብ ሞንጎ ክሪስታል ፓላስን ማንቸስተር ዩናይትድን ዝካየድ ጸወታ እምበኣር፡ ተንታኒ ስፖርት ቢቢሲ ጋርት ክሩክስ፡ 11 ብሉጻት ናይ'ዚ ሰሙን ኢሉ ዝሓረዮም ተጻወትቲ፡ 3 ካብ ሊቨርፑል 2 ድማ ካብ ቶተንሃም ይርከብዎም።

ተጻዋታይ ስቶክ፡ ጃክ ባትላንድ ዝበለጸ ሓላዊ ልዳት ናይ'ዚ ሰሙን ኮይኑ'ሎ።

ኣብ መስመር ምክልኻል ዝተመርጹ 4 ተጻወትቲ ድማ ማት ላውተን ካብ በርንሊ፡ ሉዊስ ዳንክ ካብ ብራይተን፡ ኤድሪየን ማሪያፓ ካብ ዋትፈረድ ከምኡ'ውን በን ዴይቪስ ካብ ቶተንሃም'ዮም።

ተጻወትቲ ሊቨርፑል ጆርዳን ሄንደርሰንን ኣሌክስ ኦክስሌድ ቼምበርሌይንን ምስ ተጻዋታይ ቶተንሃም ሶን ህዩንግ-ሚን ኣብ ማእከል ተመሪጾም።

ኣጥቃዕቲ ድማ ሴዲዮ ማኔ ካብ ሊቭርፑል፡ ኣንደሬ ኣዩው ካብ ስዋንዚን፡ ሊሮይ ሳኔይ ካብ ማንቸስተር ሲቲን ኮይኖም ኣለዉ።

Image copyright Getty Images

ተመሳሳሊ ዛዕባታት