ቲፋኒ ሓድሽ ባህላዊ ዙርያ ተኸዲና ኣብ ኦስካርስ ተራእያ

ቲፋኒ ሓድሸ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ቲፋኒ ሓድሸ ኤርትራዊት ኮመድያን ተዋሳኢት እያ

ትማሊ ሰንበት፡ ከተማ ሆሊዉድ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣብ ዶልቢ ትያትር ሎስ ኣንጀለስ መበል 90 ጽምብል ሽልማት ኦስካርስ ኣኣንጊዳ ኣምሲያ።

እታ ንፈለማ ግዜኣ ዝተሳተፈት ህብብቲ ኤሪትራዊት ኣሜሪካዊት ተዋሳኢት ቲፋኒ ሓድሽ ድማ ንኽብሪ'ቲ ዓሚ ዝዓረፈ ኣቦኣ፡ ኣቶ ጸሃየ ሓዲሽ፡ ባህላዊ ዙርያ ምስ ካባ ተኸዲና ኣብ ቅድሚ'ተን ብተሌቪዥን ንዓሰርተታት ሚልዮናት ተዓዘብቲ ዘመሓላልፋ ዝነበራ ካሜራታት ቀሪባ።

ቲፋኒ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ-መሕተት፡ "ኣቦይ ካብ ኤርትራ እዩ መጺኡ፡ ናብዚ መድረኽ'ዚ ምስ በጻሕኪ ንህዝብኺ ዘሐብን ሓደ ዝኾነ ነገር ክትገብሪ ኣለኪ ኢሉ ተላብዩኒ ነይሩ" ትብል። "እዚ ክዳን'ዚ ኸኣ ንዝኽሪ እቲ ዓሚ ካብዛ ዓለም ዝተሰናበተ ኣቦይ እዩ" ኢላ።

ጓል 38 ዓመት ተቐማጢት ሎስ ኣንጀለስ ቲፋኒ ሓድሽ፡ ኣብታ ብ2017 ዝወጽአት 'ገርልስ ትሪፕ' ዘርእስታ፡ ኣብ ጎድኒ ጄይዳ ፒንከት ስሚዝ፡ ክዊን ላቲፋን ረጂና ሆልን ኮይና ዝተዋሰአትላ ፊልም፡ ንህቡብነታ ዘጉለሐት ስራሕ'ያ ነይራ።

ካብቲ ትማሊ ኣብ ሆሊዉድ ዝተዓደለ 24 ሸልማት ኦስካርስ፡ ቲፋኒ ሓድሽ ምስ ማያ ሩዶልፍ ዝተባህለት ካልእ ኣሜሪካዊት ስነ-ጥበባዊት ብምዃን፡ ንሽልማት ሓጺር ዶኩሜንታሪ ፊልም ከምኡ'ውን ሓጺር ፊልም ላይቭ ኣክሽንን ኣላልያ።

በቲ ኣዘናጋዒ ዝኾነ ኣቀራርባ ቲፋኒን ማያን ዝተማረኹ ተዓዘብቲ ይኹኑ፡ ጸሓፍትን ጋዜጠኛታትን ድማ 'ንብምሉኡ'ቲ ሽልማት ከም ኣላለይቲ ኮይነን ክቐርባ ነይሩወን' ብምባል ኣብ መጻኢ ብሓባር ዝመርሓሉ መደብ ክህሉ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜናን ትጽቢቶም ገሊጾም።

ቲፋኒ: ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ዓዲ ኣቦኣ ንምብጻሕ፡ ኣብ ኤርትራ በዂሪ ዑዳታ ከምዝገበረት ይፍለጥ።