ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣብ እዋናዊ ዛዕባታት ኢትዮጵያ ክዝትዩ'ዮም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ሬክስ ቲለርሰን Image copyright Getty Images

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ አሜሪካ ሬክስ ቲለርሰን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ተቓውሞን ኣብታ ሃገር ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታትን አመልኪቶም ምስ ላዕለዎት ሰብ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝዝትዩ ተገሊፁ።

ቲለረሰን ናብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝገብርዎ ፈላማይ ዑደቶም ናብ ኢትዮጵያን፣ ጂቡቲ፣ ቻድ፣ ናይጄሪያን ኬንያን ዑደት ዝገብሩ እንትኸውን ምስ ሓለፍቲ እተን ሃገራት ተራኺቦም ኣብ እዋናውን ሓበራዊ ጉዳያት ዝምድናን ክዝትዩ እዮም ተባሂሉ ይግመት።

ብፍላይ ድማ ቁጠባዊ ትሕብብር፣ ምዕሳል ዲሞክራስን ሰናይ ምሕደራን ቀንዲ ዛዕባታት'ዮም ተባሂሉ።

እቲ ዑዳት ካብ ኢትዮጵያ ዝጅምር ኮይኑ ንዘሓለፉ 3 ዓመታት ክካየዱ ዝፀንሑ ተቓውሞታትን ጎንፅታትን፣ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ስልጣን ንምልቃቕ ሕቶ ምቕራቦም ስዒቡ ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ፖለቲካን ክዝትዩ ምዃኖም ተሓቢሩ።

ከምኡ'ውን ምስ ሓለፍቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ተራኺቦም ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ፥ ሶማልያን ደቡብ ሱዳን ብዛዕባ ዘለዉ ጎንፅታት ክዘራረቡ'ዮም።

ግብረ ራዕዲ ሓቢረንኣ ኣብ ምቅላስ ናብ ዝፍላጣ ኬንያ፣ ናይጀርያን ጅቡቲን ከምርሑ እዮም ተባሂሉ።

ሓለፍቲ አሜሪካ ከምዝብሉዎ ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ ብቢልዮን ዶላር ዝግመት ወፃኢ እትገብሮ ዘላ ቑጠባዊ ወፍሪ ፅዕንቶ ንምዕጋት አመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ብርክት በጀት ሰሊዓ ንምንቅስቓስ ዝዓለመ ትልሚ አካል'ዩ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ አሜሪካ ሬክስ ቲለርሰን ናብ ኣፍሪቃ ዝገብሩዎ ዑደት ምስ ሩስያዊ መዘነኦም ሰርጌይ ላቭሮቭ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ኢትዮጵያ፣ ኣንጎላ፣ ሞዛምቢክ፣ ናሚቢያን ዚምባብዌን ምስ ዝገበሩዎ ዑደት ተገጣጢሙ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት