መራሒ ሰሜን ኮርያ ጥቡቕ ዝምድና ምስ ደቡብ ኮርያ ከምዝደሊ ገሊጹ

ኪም ጆንግ ኡን ንልእኹተኛታት ደቡብ ኮርያ እናተቐበለ Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ኪም ጆንግ ኡን ንልእኹተኛታት ደቡብ ኮርያ እናተቐበለ

መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ዮንግ ኡን ሃገሩ ምስ ደቡብ ኮርያ "ኣዝዩ ምዕቡል" ዝምድና ክህልዋ ከምዝደሊ ማዕከናት ዜና መንግስቲ ጸብጺበን። እቲ ጸብጻብ ነቲ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ደቡብ ኮርያ ኣብ ሰሜን ኮርያ ዝገበርዎ ምብጻሕ ስዒቡ'ዩ መጺኡ።

ኣብ እዋን'ቲ ምብጻሕ፡ እቶም ሰበ-ስልጣን ደቡብ ኮርያ በቲ ግሉል ዝኾነ መራሒ'ታ ሃገር ናይ ድራር ዕድመ ተገይርሎም ነይሩ። እዚ ልኡኽ ደቡብ ኮርያ ሚስተር ኪም ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ናብታ ሃገር ዝበጽሐ ናይ ፈለማ ልኡኽ'ዩ።

እዚ ምብጻሕ'ዚ ድማ ኣካል ናይቲ ኣብ እዋን ክረምታዊ ኦሎምፒክ ዝጀመረን ብናህሪ ዝኸይድ ዘሎን ምቅርራብ ናይ ክልቲኤን ሃገራት'ዩ።

ደቡብ ኮርያ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ መጻኢ ዘተ ንምክያድ ኣብ "ኣዕጋቢ ስምምዕ" በጺሐን ኣለዋ ካብ ምባል ሓሊፋ ብዛዕባ'ዚ ርክብ'ዚ ብዙሕ ኣይተዛረበትን።

እዚ ልኡኽ ናይ ደቡብ ኮርያ ኣብ መወዳእታ ናይ'ዚ ሰሙን'ዚ ናብ ዋሽንግተን ተጓዒዙ ንሰበ-ስልጣን ኣሜሪካ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ሰሜን ኮርያ ዝተገብረ ዘተ መብርሂ ክህብ እዩ።

ኣሜሪካ ኣብዚ ጉዳይ'ዚ "ጥንቁቕ ተስፋ" ከምዘለዋ'ኳ እንተገለጸት፡ ሰሜን ኮርያ ምስራሕ ኑክሌራዊ ኣጽዋራት ደው ክሳብ ዘየበለት ግን ምስኣ ቀጥታዊ ዝርርብ ከተካይድ ከምዘይትደሊ ኣፍሊጣ'ላ። ሰሜን ኮርያ እዚ ክሳብ ዘይገበረት ድማ እቲ ምስ ደቡብ ኮርያ እተካይዶ ዝምድናታት ናይ ምምሕያሽ ተበግሶ ብዙሕ ክብደት ኣይክህልዎን'ዩ ኢላ።

ኣገራሚ ምስሊ

ኪም ዮንግ ኡን ኣብ 2011 ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ኣትሒዙ ምስ ኣዝዮም ውሑዳት ሰበ-ስልጣን ካልኦት ሃገራት ጥራይ'ዩ ተራኺቡ። ናይ መወዳእታ ነታ ሃገር ዝበጽሑ ደቡብ ኮርያውያን ዲፕሎማዘኛታት ድማ ኣብ 2007 ነይሩ።

እዚ ድማ፡ ነቶም ልኡኻት ደቡብ ኮርያ ምስ ኪም ዮንግ ኡን ናይ ኢድ ሰላምታ ክለዋወጡን ብሓደ ሓቦሮም ድራር ክበልዑን ክስሕቑን ምርኣይ ፍሉይ ይገብሮ። ሓላፊ ስለያ ሱህ ሁንን ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቻንግ ኤዊ ዮንግ ድማ ኣባላት ናይቲ ጉጅለ'ዮም።

ዕላምኦም ድማ ነቲ ኣብ ኣዋን ኦሎምፒክ ክልቲኤን ሃገራት ሓንቲ ባንደራ ጥራይ ሒዘን ብምውድዳረን ዝተፈጥረ ምጉዳል ወጥሪ ንምምዝማዝ'ዩ።

እቲ ናይ መጻኢ ተስፋ ድማ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ መጻኢ ዘካይድኦ ወግዓዊ ዝርርባት ነቲ ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ሰሜን ኮርያን ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ኣፍኲሱ፡ ሰሜን ኮርያ ምስራሕ ኑክሌራዊ ኣጽዋራት ከተቋርጽ'ዩ። ክሳብ ሕጂ ግን፡ ሰሜን ኮርያ ግን እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ኣብ ልዕሊኣ ዝተነብረ ማዕቀብ ብዘየገድስ፡ ምስራሕ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ደው ከተብሎ ፍቓደኛ ኣይኮነትን።

ሚስተር ኪም ነቲ ናይ ደቡብ ኮርያ ልኡኽ "ብምዉቕ ሰላምታ" ድሕሪ ምቕባል "ልባዊ ዝኾነ ዘተ" ኣካይዱ ክትብል ማዕከን ዜና ኬ ሲ ኤን ኤ ናይ ሰሜን ኮርያ ጸብጺባ።

እቲ ልኡኽ ድማ ካብ ፕረሲደንት ደቡብ ኮርያ ሙን ጃይ ኢን ዝተላእከ መንእኽቲ ኣረኪቡ። ፕረሲደንት ጃይ ኢን፡ ሚስተር ኪም ኣብ ዝካየድ ተወሳኺ ዘተ ክሳተፍ ዓዲምዎ። ሚስተር ኪም ብዛዕባ'ቲ መልእኽቲ "ሓሳባት ተለዋዊጡን ኣዕጋቢ ስምምዕ ገይሩን"፡ ክግበሩ ብዛዕባ ዘለዎም ነገራት ድማ ትእዛዝ ሂቡ ኢላ ኬ ሲ ኤን ኤ።

እቲ ናይ ድራር ዕድመ ኣርባዕተ ሰዓታት ወሲዱ፡ እታ ኣብ ወግዓዊ ጽምብላት ብዙሕ ዘይትርአ በዓልቲ ቤት ኪም ሪ ሶል ጁን ሓፍቱ ኪም ዮ ጆንግን ድማ ተሳቲፈን።

ግብረ-መልሲ ደቡብ ኮርያ ብዛዕባ'ዚ ምዉቕ ዝርርብ ግን፡ እቲ ልኡኽ ናብ ሃገሩ ክሳብ ዝምለስ ስቕታ'ዩ ክኸውን። እቲ ዘተ ኣፈናዊ'ዩ ነይሩ እቶም ተዛተይቲ ግን ኣብ ሓደ ሓደ ጉዳያት "ገለ ሓባራዊ ዝኾነ" ርእይቶታት ነይርዎም ኢሎም ሰበ-ስልጣን።

ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣም ቤት ጽሕፈት ሚስተር ሙን፡ ምፍታሕ ዕጥቂ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ተዘትይሉ እንተኾይኑ ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ "ከምኡ እግምት" ኢሉ ክትብል ማዕከን ዜና ዮንሃፕ ጸብጺባ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት