እስራኤል፡ 'ምዕጻው ቤት ማእሰርቲ ሆሎት ስውር ዕላማ ከይሃለዎ ኣይተርፍን'ዩ'

ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ መዳጎኒ ማእከል ሆሎት
ናይ ምስሊ መግለጺ መዳጎኒ ማእከል ሆሎት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ተታሒዞምሉ ዝነበረ'ዩ

መንግስቲ እስራኤል ነቶም ኣብ መዳጎኒ መዓስከር ስደተኛታት ሆሎት ሒዝዎም ዝጸንሐ ኣማኢት ኤርትራውያንን ሱዳናውያን ስደተኛታት ካብቲ ቦታ ከወጹ ከም ዝወሰነ ገለ ካብቶም ስደተኛታት ንቢቢሲ ሓቢሮም። እንተኾነ ግን፡ ናብተን ዝዓበያ 7 ከተማታት እታ ሃገር ክኣትዉ ከምዘይፍቀደሎም ተዛሪቦም።

ኣድሓኖም ተኽለሚካኢል ወኪል ማህበረኮም ስደተኛታት ካብቲ ቦታ ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ እዚ ውሳነ'ዚ ብ 4 መጋቢት ጀሚሩ ክሳብ 14 መጋቢት ቤት ማእሰርቲ ሆሎት ፈጺሙ ኪዕጾ ሙኻኑ ሓቢሩ።

ንሱ፡ ብጠቕላላ 550 ስደተኛታት ኣብቲ ማእሰርቲ ከምዝነበሩ ይገልጽ።

ድሮ በዚ ዝወጸ ውሳነ መሰረት፡ ኣብዚ ክልተ መዓልቲ ጥራይ 76 ሰባት ወጺኦም ኣለዉ።

ካብ ሓደ ወርሒ ክሳብ ክልተ ወርሒ ዝወድቕ መንቀሳቀሲ ወረቀት ፍቃድ ሂቦሞም ኣሎዉ፣ ካብዚ ቤት ማእሰርቲ ወኦም ኣብ ደገ ምስ ከዱ ናበይ ከምዘብሉ እይፈልጡን እዮም።

ናብ እግሮም ዝመርሖም እዮም ከይዶም ዘለዉ፣ "ተዳለወልና ዋላ ሓደ ማሕበራዊ ኣገልግሎት የለን" ይብል ኣድሓኖም።

ብግምቱ ምዕጻው ናይቲ ማእከል፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ እታ ሃገር ዝፈጠሮ ናይ ቁጠባን ናይ ምምሕዳር ጸቕጢ ክኸውን ዝኽእል እኳ እንተኾነ፡ ስዉር ዕላማ ኪሕልዎ ይኽእል እዩ ኢሉ ይኣምን።

"እቲ ዝወጸ ኣዋጅ ውሳነ ምዕጻው ቤት ማእሰርቲ ሆሎት ስውር ዕላማ ከይሃሎዎ ኣይተርፍን እዩ" ብምባል ድማ ይዛረብ።

"ኣዝዩ ስኽፍታ ኣሎና። በታቲኖም ብብሓደ ፈላልዮም ፣እቲ ሓሲቦሞ ዘለዉ ምጥራዝ ናብ ሩዋንዳን ዩጋንዳን ከስልጡ ይኽእሉዮም" ብምባል ድማ ዘለዎ ስግኣት ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት 36 ኤርትራውያን በብሓደ ካብቲ መዓስከር ተሳሒቦም ናብቲ ብሳሃሮኒም ዝፍለጥ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝወሰድዎም ኣድሓኖም ይገልጽ።

በዚ ምኽንያት ድማ እቲ ውሳኔ ምስ ሰምዕዎ ተፈራረቐ ስምዒት ከምዝሓደሮም'ዩ ኣድሓኖም ዝዛረብ።

"መግለጺ ስቕያትና እያ። በቲ ሓደ ወገን ድማ ተጠርኒፍና ኣብ ሓደ ኮይና ንመሰልና ብጥርኑፍ ዝተቓለስናልና ስለ ዝኾነት ሕጂውን ኣነ እጠራጠር ኣየ። መንግስቲ እስራኤል ብዝተፈላልየ መገዲ ጌሩ ነቲ ሓሲብዎ ዝነበረ ናይ ምጥራዝ ወጥን ከተግብሮ ከይፍትን"