ውሩይ ኣትሌት ሞ ፋራሕ ኣብ ጀርመን ዓሌት መሰረት ዝገበረ ምጉናይ ኣጋጢምዎ

ሞፋራሕ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ሞፋራሕ ናብ ኢትዮጵያ እናተጓዓዘ እንከሎ'ዩ እቲ ዓሌታውነት ዘጋጠሞ

ኣብ ውድድር ኦሎምፒክ ንኣርባዕተ ግዜ ሻምፒዮና ዝኾነ ፍሉጥ ኣትሌት ኢንግሊዝያዊ፡ ሞፋራሕ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ጀርመን ብሓደ ሰራሕተኛ ድሕነት እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ዓሌቱ መሰረት ዝገበረ ጥቕዓት ከምዘጋጠሞ ገሊጹ።

ወዲ 34 ዓመት ሞ ፋራሕ እዚ ዘጋጠሞ ካብ ሙኒክ ጀርመን ተበጊሱ መጻኢ ወርሒ ንዝካየድ ለንደን ኦሎምፒክ ተወሳኺ ስልጠናታት ንምክያድ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተጓዓዘሉ ቅጽበት ከምዝኾነ'ውን ሓቢሩ።

ትውልደ ሶማልያ ሞፋራሕ እቲ ዘጋጠሞ ዓሌታውነት ዝዓሰሎ ግልጋሎት ብቪድዮ ቀሪጹ ኣብ ኢንስታግራም ገፁ ኣቃሊሒዎ።

ሞ ፋራሕ "እዚ ወዲ እዚ ከም ፅሉል ይተነኻኽፈኒ'ሎ፣ ውጹእ ዓሌታውነት'ዩ፥ ዉፁእ ዓሌታዊ ጥቕዓት" ብምባል እቲ ዘጓነፎ ነገር ብኢንስታግራሙ ኣቢሉ ኣቃሊሕዎ።

ኣብቲ ማሕበራዊ መራኸብታት ፅንሕ ኢሉ ዘቃለሖ 47 ንውሓት ዘለዎ ቪድዮ ድማ " ኣብዚ ዘበን እዚ ኣብ 2018 ከምዚ ዓይነት ዓሌታውነት ካብ ምርኣይ እንታይ ዘሕዝን ነገር'ሎ?" ዝብል ኣርእስቲ ሂብዎ።

ወሃቢ ቃል ሞ ፋራሕ ንፕረስ አሶሴሽን ስፖርት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡

" ሎሚ ንጉሆ ሞፋራሕ ካብ ጀርመን ናብ ኢትዮጵያ ይጓዓዘሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብኣባል ድሕነት መዕርፎ ነፈርቲ ጀርመን ዓለታዊ ጥቕዓት ኣጓኒፍዎን ብዝግባእ ግልጋሎት ክረክብ ተጸጊሙን" ይብል።

ቢቢሲ ስፖርት ኣብዚ ጉዳይ እዚ ሓበሬታ ንምርካብ ናብ ሓለፍቲ መዕርፎ ነፈርቲ ሙኒክ ጀርመን ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይተዓወተን።

ሞ ፋራሕ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰንበት፡ ለንደን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ቀዳማይ ኮይኑ ምዕዋቱ ዝዝከር'ዩ።

Image copyright @Mo_Farah/Twitter
ናይ ምስሊ መግለጺ ሞፋራሕ እቲ ዘጋጠሞ ነገር ብቪድዮ ኣቢሉ ፈኒይዎ'ዩ