ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ዝምድና ቻይናን ኣፍሪቃን ነቒፉ

ሬክስ ቴሌርሶን Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ሬክስ ቴሌርሶን ቅድሚ እቲ ናብ ኣፍሪቃ ዝተተለመ ዑደት ምክያዱ ኣብ ቪርጅንያ ዩኒቨርስቲ ጆርጅ ማሶን መደረ ኣስሚዑ

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ሬክስ ቴሌርሶን ቅድሚ'ቲ ናይ ኣፍሪቃ ዕላዊ ቀዳማይን ዑደት ምጅማሩ ንቁጠባዊ ጽምዶ ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ ነቒፉ።ቻይና ጽግዕተኛነት ተተባብዕን፡ ብልሽው ውዕላት ብምጥቃም ድማ ንተፈጥራዊ ሃብቲ ኣፍሪቃ ኣብ ሓደጋ ተውድቕን ኢሉ ቴሌርሶን።

ቴሌርሶን ሃገሩ ናይ 533 ሚልዮን ዶላር ሰብኣዊ ረዲኤት ንኣፍሪቃ ክትህብ ምዃና ኣፍሊጡ።

ኣብ ዑደቱ፡ ቴሌርሶን ነቲ ፕሬዚደንት ትራምፕ ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣንጻር ሃገራት ኣፍሪቃ ዝበሎ ናይ ብድዐ ዘረባ ንምሕዋይን ዝምድና ንምፍጣርን ክፅዕር ምዃኑ ይግለጽ።

ቴሌርሶን ኣብ ጆርጅ ማሶን ዩኒቨርሲቲ - ቨርጂንያ ብዛዕባ'ቲ ሰሙን ዝወስድ ወግዓዊ ዑደቱ ናብ ኢትዮጵያ፣ ቻድ፣ ጂቡቲ፣ ኬንያን ናይጀርያን ኣመልኪቱ መግለጺ ሂቡ።

ዕላም ዑደቱ ኣመልኪቱ ኣብዝሃቦ መግለጺ ድማ ኣብ ጉዳይ ግብረሽበራ፡ ዲሞክርሲ፡ ጽቡቕ ምሕደርን፡ ንግድን ወፍረን ዝተኮረ ከምዝኸውን ኣተንቢሁ።

ድሕር'ዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ቻይና ነቕፌትኡ ኣዝኒቡ።

እቲ ተካይዶ ወፍሪ ኣብ ኣፍሪቃ ብፍላይ ኣብ ምምሕያሽ መሰረተ-ልምዓት ኣበርክቶ ከምዘለዎ ድሕሪ ምግላጽ፡ እቲ ኣገባብ ግና ንኣፍሪቃ ኣብ ዘይትወጾ ዕዳ ከምዘሸከማን ናይ ስራሕ ዕድላት ድማ ከምቲ ዝደለ ከምዘይከፈተትን ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ መንጎ ኣፍሪቃን ቻይናን ዝካየድ ንግዲ ንላዕሊ ተወንጪፉ።

ናይ ቻይና ጠለባት ግና ኣብ ማዕድናት ናይቲ ኣህጉር ዝጠመተ ኢዩ ነይሩ።

እንተኾነ፡ ናይ ቻይና ናይ ህንጻ ትካላት ኣብ መብዛሕተአን ሃገራት ኣፍሪቃ ነቲ ንዓመታት ተረሲዑ ዝነበረ ትሕተ-ቕርጺ እንተላይ ጽርግያታት ኣብ ምምሕያሽ ዘረአ ኣበርክቶ ገይረን እየን።

"ናይ ሃገርና ጸጥታውን ቁጠባውን ምዕባለ ካብቲ ዝነበረ ብዝለዓለ ደረጃ ምስ ኣፍሪቃ ዝተኣሳሰረ ኢዩ" ኢሉ ቴሌርሶን።

ቅድሚ ሕዚ ከም ሓላፊ ነዳዲ ንኣፍሪቃ ብዙሕ ግዜ ከምዝበጽሐ ገሊጹ።

እዚ ናይ ሕዚ ዑደቱ ከም ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ግና ናይ መጀመርታ ምዃኑ ድሕሪ ምግላፅ፡ ምስ ናይ ሩስያ መዘንኡ ሰርግየ ላቭሮቭ ናይ ኣንጎላ ኢትዮጵያ ሞዛምቢክ ናሚብያን ዚምባብወን ዑደት ምግጣሙ ድማ ገሊጹ።

"ሓገዝ በቲ ሓደ ወገን፡ ምንካይ ሓገዝ ድማ በቲ ኻልእ" ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ቢቢሲ ጋዜጠና ንኣፍሪቃ፡ ፌርጋል ኬን ከምዝበሎ -

ቴሌርሶን፡ "ኣሜሪካ ሓቀኛ መሓዛ ኣፍሪቃ እያ ኣይ ከም ቻይናን" ድማ ኢሉ።

ኣሜሪካ ነቲ ናይ ንግድን ወፍርን መሻርኽቲ ዝኾነት ኣፍሪቃ ዓጊቱ ዝሓዘ ሓጹራት ንምጉዳል ኩሉ ዝክኣላ ክትገብር ምዃና ገሊጹ።

ቴሌርሶን ሃገሩ ነተን ብጥምየት ተጠቒዔን ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ሰብኣዊ ሓገዝ ክትህብ ኢያ ዝበሎ ብዙሓት ተቐቢሎሞ ኢዮም።

እንተኾነ ምስቲ ብቐጻሊ ናይ ኣሜሪካ ሸኸም ኣብ ወጻኢ ክጎድል ኣለዎ ዝብል ፕሬዚደንት ስለዝሰርሕ ድማ እዚ ሕዚ ዝገበሮ መፅብዓታት (መብጽዓተታ) ብኸመይ ከምዝትግበር ዝርአ ጉዳይ ኢዩ።

እዚ ናይ ቴሌርሶን መግለጺ ምስቲ ኣሜሪካ ንዓቃብ ሰላም ሰራዊትን ንሰብኣዊ ሓገዛት ትገብሮ ዝነበረት ኣበርክቶ ምጉዳል፡ ነቲ ሕቡራት ሃገራት ብፍላይ ኣብ ዴሞክራቲክ ኮንጎ፡ ማእከላይ ሪፑብሊክ ኣፍሪቃን ደቡብ ሱዳንን ዘሎ ቅልውላ ንምምካት ተካይዶ ስርሒታት ክዕንቅጽ ከምዝኽእል ይንገር።

እዚ ናይ ኣሜሪካ ምምሕዳር ንጹር ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ዝየብሉን ፡ ኩሉ ፈለማ ንኣሜሪካ ዝፖሊሲኡ፡ቴሌርሶን ኣብ ዝምድና ኣፍሪቃ ምስ ኣሜሪካ ለውጢ ከምጽእ ምጽባይ ዘይመስል ኢዩ።