ኣንጻር ስደተኛታት ዝኾነ ጸሊም ኢጣልያዊ ሰነተር ኮይኑ ተመሪጹ

ሰነተር ቶኒ ኢዎቢ Image copyright Toni Iwobi
ናይ ምስሊ መግለጺ ምምራጽ ናይዚ ናይ መጀመርታ ጸሊም ኢጣልያዊ ሰነተር ንብዙሓት ኣቖጢዑ'ሎ

ዝሓለፈ ሰንበት ሓደ ናይጀርያዊ ስደተኛ ኣብ ኢጣልያ ንስደተኛታት ዝቃወም ሰልፊ ብምውካል ናይ'ቲ ሃገር ቀዳማይ ጸሊም ሰነተር (ኣባል ላዕለዋይ ባይቶ) ኰይኑ ተመሪጹ።

እዚ ቶኒ ኢዎቢ ዝተባህለ ሰነተር ኣብ ገጻት ፈይስ-ቡክ ብዝተጓናጸፎ ዓወት "ነዚ ሓዲሽ ተመኵሮ ክገጥሞ ድልው'የ" ክብል ሓቢሩ።

ኣቶ ኢዎቢ ኣባል ናይቲ ዓቃባዊ የማናይ ክንፊ፡ ስደተኛታት ንሃገሮም ንኽምለሱ ዚደፋፍእን ኣብ ዓዲ ጥልያን ንኸይኣትዉ ዚዓግትን ሊግ-ፓርቲ ኰይኑ'ዩ ተወዳዲሩ።

ዋላ'ኳ ንገዛእ ርእሱ ስደተኛ ይዅን ካብ 2014 ጀሚሩ ቶኒ ኢዎቢ ኣፈኛ "ሰልፊ ሊግ" ብምዃን ኣንጻር ስድተኛታት ኣብ ትሕቲ "ወረራ [ስደተኛታት] ደው ይበል" ዚብል ጭርሖ ብምልዓል ክጉስጉስ ዝጸንሐ ፖለቲከኛ'ዩ።

እቲ ምርጫ ን"ሊግ-ፓርቲ" ሰፍ ኣቢሉ 17% ድምጺ ንክረክብ ኣኽኢሉዎ። እቲ ብ 2013 ዝተገብረ ምርጫ 4% ዝኣክል ድምጺ ጥራሕ'ዩ ረኺቡ ነይሩ። እዚ ለንቅነ ዝተገብረ ምርጫ ኣብ ኢጣልያ ኣንጻር ስደተኛታት ገኒኑ ኣብ ዘለዎሉ እዋን'ዩ ተኻዪዱ።

ዝዝከር'ዩ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ፊረንሰ ዝተባህለ ከተማ ኣብ ልዕሊ ኢዲ ድየነክ - ኣብ ጽርግያ ዀይኑ ዚሸይጥ ዝነበረ ሰኔጋላዊ - ዝተፈጸመ ቅትለት ናይ ክልተ መዓልታ ተቓውሞታት ኣላዒሉ ነይሩ'ዩ።

ሮይተርስ ከም ዝበሎ፡ ኢዲ ድየነክ ኣብ ሓደ ድልድል ኰይኑ ናይ ቆርበት ቦርሳ፡ ጽላል፡ ሓንጀመንጂ ስልማት እናሸጠ ኸሎ'ዩ ሽድሽተ ጊዜ'ዩ ካብ ቀረባ ብጥይት ተወቒዑ።

እቲ ጋናዊ መበቆል ዘለዎ ዉሩይ ተጻዋታይ ኵዕሶ ማርዮ ባሎተሊ፡ ኣብ ኢንስታግራም ከም ዝበሎ፡ "ኣነ ዓዊረ ከይከውን ክጠራጠር ጀሚረ፣ ወይከኣ ንቶኒ ኢዎቢ ጸሊም ምዃኑ ዝነግሮ ሰብ ኣይረኸበን ከይከውን!" ድሕሪ ምባል "ዘሕፍር'ዩ" ክብል ገሊጽዎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት