"አመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ንዘለዋ ድሌት ካብ ኢትዮጵያ መረጋገጺ ንምርካብ'ዩ"

ዶክተር ወርቅነህ ገበየን ምስ ሬክ ቲለርሰን እንትጨባበጡ Image copyright FB/MFA

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ሬክስ ቲለርሰን፥ ኣብ ዙርያ ንግድን ኢንቨስትመንትን፣ ሰላምን ደሕንነትን ቐጠና ምብራቕ ኣፍሪቃን ዓለምለኻዊ ቓልሲ ግብረ ራዕድን ዝምልከት ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ ከምዝዝትዩ ተገሊፁ።

ቲለርሰን ኣብ ኣፍሪቃ ዘካይዱዎ ዑደት ፈላማይ እግሮም 'ዩ።

ጅቡቲ፣ ቻድ፣ ናይጀሪያን ኬኒያን ዕላዊ ዑደት ስራሕ ዘካይዱለን ካልኦት ሃገራት እንትኾና ትማሊ ኣማስዮም ኢትዮጵያ ኣትዮም።

ኣብታ ሃገር ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ክካየዱ ዝጸንሑ ዓመጻትን ተቓዉሞታትን፣ ሕቶ ምልቃቕ ሓላፍነት ስራሕ ቐዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝን ስዒቦም ዘለዉ እዋናዊ ዉሽጣዉን ከባቢያዉን ጉዳያት ፖለቲካ ትኹረት ዝገብሩሎም'ዮም።

ግን ንምንታይ ሕዚ? ተንተንቲ ፖለቲካል ሳይንስን ስትራቴጂካዊ መጸዕናዕትን ፖለቲካዉን ቑጠባዉን ምኽንያታት የቐምጡ።

"ናይ ምቅድዳም ድሌታት ዓብዮም ከይኾኑ"

ሚኒስትር ቲለርሰን ናብ ኣፍሪቃ ዘምርሕ እግሮም ቅድሚ ምልዓሎም ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ ተካይዶ ንዘላ ቑጠባዊ ጽምዶ ነቒፎም።

ሃገሮም 533 ሚልዮን ዶላር ሰብኣዊ ረዲኤት ንኣፍሪቃ ከምእትህብ ብምግላጽ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣንጻር ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተዛረቡዎ ጸያፍ ቃል ንምሕዋይን ዝምድንኣ ንምጥንኻርን ከምዝጽዕሩ ገሊፆም።

ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ፡ መምህር ፖለቲካል ሳይንስን ስትራቴጂካዊ መጽናዕትን ፥ ኣይተ መረሳ ጸሃየ ነዚ'ዩ ዘጠናኽር።

እቲ ሚኒስትር ኣብዚ እዋን ናብ ኣፍሪቃ ኢሉ ድማ ኢትዮጵያ ምቕነዖም፡ ብሓደ ገጽ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንሃገራት ኣፍሪቃ ትኹረት ኣይሃቡን እናተብሃለ ክበጽሖም ዝጸንሐ ወቐሳ ንምክሓስ'ዩ ይብል።

"ኣመሪካ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣቕልቦ ከምዘለዋ ዘርኢ ክኸዉን ይኽእል'ዩ። ብኻልእ ገጽ ኣብ ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ፡ ኣመሪካ ብኻልኦት ዝተመንጠለት ምዃና ይርአ ኣሎ፣ ሃገራት ደቡብን ሰሜንን ኮርያ ድማ ናብ ሰላማዊ ኩነታት ዘድሃባ ይመስላ ኣለዋ። ቻይና ድማ ብቑጠባዊ መዳይ ብበዝሒ ኣብ ኣፍሪካ ስለእትርከብ ምስ ቻይና ናይ ምቅድዳም ድሌታት ዓብዮም ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም" ክብል ንቢቢሲ ትግርኛ ገሊጹ።

ንምንታይ እሞ ናብ ኢትዮጵያ? ኢልና እንትንሓትት፡ ኣይተ መረሳ ነዚ'ዉን ክልተ ምኽንያት የቐምጥ። ሽሕ'ኳ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜን ፖለቲካዊ ዘይምርግጋዓትን እንተሃለወት፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ መሐለዊት ሚዛን ተባሂላ እትዉሰድ ሃገር ብምዃና ናይ ኢትዮጵያ ዉሽጣዊ ደሕንነት መረጋገጺ ንምርኣይ ክኸዉን ዝክእል'ዩ ክብል እቲ ሓደ ምኽንያት ይገልጽ።

"ኢትዮጵያ ዘላትሉ ኩነታት ዝፍለጥ'ዩ። እዚ'ዉን ኮይኑ ግና ደሕንነትን ሰላምን ዝዓሰሎ ዞባ ኣመሪካ ትደልዮ እያ። ነዚ ኢትዮጵያ እትስመየሉ ሓለዋ ሰላምን ደሕንነትን ኣለዋ። ሕዚ ብዘሎ ኩነታት እዚ ዑደት፡ ሰላም ናይ ምርግጋዕን እዚ ዘላቒ ገይራ ናብ ልምዓትን ዲሞክራስን ናይ ምቕያር ዓቕማ መረጋገጺ ንምርካብ ክኸዉን ይኽእል" በሃሊ'ዩ።

ብኻልእ ወገን ግና ኣብ ኢትዮጵያ ብቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ድሕሪ ዝተኣወጀ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ፡ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ነቲ ኣዋጅ ዝቃወም ተሪር መግለጺ ሂቡ ከምዝነበረ ዝፍለጥ'ዩ።

እዚ ጉዳይ መረሳ ዘልዕሎ ካልኣይ ምኽንያት'ዩ።

Image copyright fb/MFA

"እቲ መግለጺ ርክብ እዘን ሃገራት ከም ወትሩ ከምዘይኮነ'ዩ ዘመላኽት ነይሩ። ስለዚ እዚ መግለጺ ዝፈጠሮ ስምዒት ንምልስላስ ክኸዉን ይኽእል ዕላማ እዚ ዑደት" ይብል መረሳ ጸሃየ።

ተንታኒ ጎንፅን ተመራማሪ ታሪክን ፕሮፌሰር መዴሃንዬ ታደሰ ብወገኖም፡ እዚ ናይ ሕዚ ዑደት ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ እቲ ዕግርግር ከምዘስገኦም ዘመላኽት'ዩ በሃሊ'ዮም።

"ቅድም ክብል ኣመሪካ 'ዲሞክራሲ ኣመሓይሹ'፣ 'ሰብኣዊ መሰላት ኣይትገድቡ' ዝብሉ ርኢይቶታት እያ ትህብ ነይራ። ሕዚ ዘሎ ምምሕዳር ትራምፕ ግና ነዚኦም ዝግደስ ዘይኮነ ንረብሕኡ ዝጭነቕ'ዩ። ስለዝኾነ ድማ እቲ ሕዚ ዘሎ ዕግርግር የስግኦም'ዩ። ዕግርግር ዘለወን ሃገራት ንረብሐኦም የተሓሳስቦም'ዩ" ክብሉ ይገልፁዎ።

"ዓቕሚ የብላን ከይትብሃል ገጻ ተዝዉር ኣላ"

ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ዘሎ ርክብ ጸጥታን ደሕንነትን ቆላሕታ ዝገበረ ምዃኑ ይንገረሉ። ልምዓትን ካልኦት ሕቶታትን ዘይኮነ ዲሞክራሲያዊ ሕቶታት ብምልዓል ክተሕድሮ ክትፍትን ዝጸንሐት ጸቕጢ ድሌታ ካልእ ከምዝኾነ ዘመላኽት'ዩ ይብል ሙሁራዊ ትንታነ እዞም ሰብ ሙያ።

"ኣሜሪካ ልክዕ ከምተን ካልኦት ምዕራባዉያን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዲሞክራሲ ሕቶታት ብምልዓል ጽዕንቶታት ክተሕድር ጸኒሓ እያ" ዝብል ኣይተ መረሳ፡ ሕዚ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዓቕሚ ክተጽንዕ ከምእትደሊ ይዛረብ።

"ትኹረት ኣሜሪካ ኣብ ኢትዪጵያ ደሕንነትን ከባቢያዊ ሰላምን ስለዝኾነ ዓቕሚ ኢትዮጵያ ንምጽናዕ'ዩ። መራሒ እታ ሃገር መዓዝ'ዩ ዝምረጽ ዝብል'ዉን ዘድሃበ ክኸዉን ይኽእል'ዩ። ከም ኣጋጣሚ እዚ መንግስቲ ገጢሙዎ ዘሎ ጸገም ተጠቒማ ናይ ርእዮተ ዓለም ለዉጢ ክመጽዕ ጽዕንቶ ክተሕድር ክትፍትን ትኸዉን። እንተኸነ ግና እዚ ብሓጺሩ ዝኸዉን ኣይኾነን"።

ፕሮፌሰር መድሃንዬ፡ ኣብዚ ጉዳይ ዝተፈለየ ርኢይቶ ኣለዎም። ኢትዮጵያ ግብረራዕዲ ኣብ ምክልኻልን ሰላምን ምርግጋእን ኣብረ ምርግጋፅን ርኡይ ግደ ዝነበራ ሃገር ስለዝኾነት ኣሜሪካ እዚ ክትስእኖ ኣይትደልን ይብሉ።

"መሓዙት ዝብሉዎን ሃገራት ናብ ዕግርግር እንተምሪሐን፡ ሰላምን ምርግጋእን እቲ ዞባ ክዝረግ ይኽእል'ዩ ዝብል ስግኣት ስለዘለዎም'ዩ። ኣብ ክንዲ ዕግርግር ሰለማዊ ስግግር ክህሉ ስለዝደልዩ ድማ መተሓሳሰቢ ንምሃብ'ዩ" ይብሉ።

"ካብዚ ሓሊፉ" ይብሉ ፕሮፌሰር መድሃንዬ፡ "ካብዚ ሓሊፉ ጉዳይ ሶማሊያ፣ የመንን ሱዳንን፣ ቑጠባን ንግድን ጸገማት ዝኣመሰሉ ጸገማት ኣብ ኣፍሪቃ ኣለዉ። እዚ የተሓሳስቦም'ዩ። ኢትዮጵያ ከም ሓንቲ ዓባይ መንቀሳቐሲት ኣፍሪቃ ስለዝርእይዋ ድማ ሕዚ ዘላቶ ኩነታት ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ የስግኦም" ክብሉ ይገልጹ።

ኣሜሪካ ናብ ኢትዮጵያ፡ ኢሉ'ዉን ናብ ኣፍሪቃ ገጻ ምዛራ ግና ይብል ኣይተ መረሳ፡

"ቻይናን ሩሲያን ሓይለን እናጠንከረ፣ ክልቲኤን ኮርያ'ዉን ሰላማዊ ምቅርራብ ምርኣየን፡ ኣሜሪካ ዓቕሚ የብላን ከይትብሃል'ዩ ገጻ ናብ ኣፍሪቃ ተዝዉር ዘላ" ይብል። እዚ ድማ ምስ ቻይና ክትቀዳደደም ይገብራ።

ሓዱሽ ነገር ግና ይህሉ'ዶ?

እዚ ዑደት ንኢትዮጵያ ዝኾነ ዓይነት ኸስቢ ሒዙላ ከምዘይመጽእን ለዉጢ ዘምጽእ ከምዘይኾነን እዞም ሙሁራት ዝሰማምዑሉ ርእይቶ'ዩ።

"እዚ ዑደት ንኢትዮጵያ ዝተፈለ ኸስቢ ኣየምጽአላን። ምሕዝነት ኢትዮጵያ ስለዝደልዩዎ፡ ክዘራረቡ'ዮም ዝደልዩ" ይብሉ ፕሮፌሰር መድሃንዬ።

ናይቲ ኸባቢ ጉዳያት ሰላምን ምርግጋእን፣ ግብረ ራዕድን ካልኦትን ሓበራዊ ጉዳያት ከምዘምጸኦም ይዛረቡ።

ሽሕ'ኳ ኣመሪካ ዕግርግር ዘይዓብለሎ ስግግር ስልጣን ክህሉ ድሌት እንተሃለዋ፡ እዚ ናይ ዉሽጢ ጉዳይ ስለዝኾነ ዝምልከታ ኣይኮነን ይብሉ።

"ኣብ ጉዳይ ጸጥታን ዲሞክራስን ዝተፈለየ ፖሊሲ ሒዛ ክትመጽእ'ያ ኣይብልን" ይበል መረሳ ብወገኑ።

ኣብዚ ናይ ሕዚ ዑደት ቲለርሰን፡ "ኢትዮጵያ ዉሽጣ ፅኑዕ ድዩ? እቲ መንግስቲኸ ክሓዊ ይኸዉን'ዶ? ዝተጀመረ ልምዓት ቐጻልነት ክህልዎ ይኸዉን'ዶ? እዩ ዝኸዉን እቲ ኣድህቦ" ክብል የስምረሉ።