ስደተኛታት ኤርትራ ኣብ እስራኤል ብገደብ ክንቀሳቐሱ ተፈቒድሎም

ኤርትራውያን ስደተኛታት Image copyright Getty Images

ኣብ መዓስከር ስደተኛታት እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ካብቲ መዓስከር ንክወፅኡ ዘኽእል፡ ፍቓድ ክልተ ወርሒ ከምዝተውሃቦም ንቢቢሲ ሓቢሮም። ይኹን እንበር ናብ ዝደልይዎ ቦታ ክንቀሳቐሱ ኣይኽእሉን።

ከም ሓበሬታ እዞም ስደተኛታት፡ እዚ ገደብ ኣብ ሸውዓተ ከተማታት እስራኤል ንከይንቀሳቐሱ ዝግድብ እዩ።

እዚ ውሳነ፡ ንስደተኛታት ንምፍንጫል ዝዓለመን፡ ስደተኛታት ብስእነት ስራሕ ተማሪሮም፡ ካብታ ሃገር ንክወፅኡ ዘገድድ ከምዝኾነ እዮም ዝሰግኡ።

ዕድል ኣብ ደቡባዊ እስራኤል መዓስከር ስደተኛታት ሆሎት፡ ዝርከቡ 500 ኤርትራውያን ስደተኛታት ዛጊድ ኣይፍለጥን።

መንግስቲ እስራኤል ድማ፡ ነዚኦም ሓዊሱ፡ ፅግዕተኝነት ዝሓተቱ 30 ሽሕ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ካብታ ሃገር ክወፅኡ ድልየት ኣለዎ።

እስራኤል፡ እዞም ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ወይ ድማ ናብ ካልእ ሳልሰይቲ ሃገር ንክኸዱ፡ ገደብ 60 መዓልታት ኣቐሚጣ ምንባራ ዝዝከር እዩ።

ብመሰረት እዚ ድማ፡ ካብ እስራኤል ክወፅእ ዘይኽእል ዝኾነ ውልቀ ሰብ ብማእሰርቲ ዝቕፃዕ እንትኸውን፡ ደቂ ኣንስትዯ፣ ቆልዑን ስድራን ዝሓዙን ግና፡ ንዝተወሰነ ግዘ ክፀንሑ ከምዝኽእሉ ተገሊፁ።

ሩዋንዳን ኡጋንዳን ነዞም ስደተኛታት ክቐበላ ካብ ሞንጎ ዝተስማዕምዓ ሃገራት ከምዝኾና ዋላ እኳ እንተተገለፀ፡ እዘን ሃገራት ግና ነዚ ሓሳብ ይነፅግኦ።

ክልቲአን ሃገራት ነዞም ስደተኛታት ንምቕባል፡ 3 ነጥቢ 5 ሽሕ ዶላር ዓስቢ ክቕበላ ከምዝኽላ እዩ ዝግለፅ።

ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ግና፡ እዞም ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ንክምልሱ ዝፍቀደሎም፡ ንሕድሕዶም 50 ሽሕ ዶላር እንተተዋሂቦም ጥራሕ ከምዝኾነ ገሊፆም።