"ናዕቢ ብዘየልዕል መገዲ ክኸዉን ኣለዎ" ቲለርሰን

ቲለርሰን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣዲስ ኣበባ ብላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ኣቀባብላ እናተገበረሎም
ናይ ምስሊ መግለጺ ቲለርሰን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣዲስ ኣበባ ብላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ኣቀባብላ እናተገበረሎም

ሚኒስትር ቲለርሰን ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ንዘካይድዎ ዑደት ኣብ ኢትዮጵያ'ኳ እንተጀመሩ፡ ካብ ቻይና ልቓሕ ዝወስዳ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ግና ኣጠንቂቖም።

ኣሜሪካ ንሃገራት ኣፍሪቃ ዘለዋ ኣረኣእያ ግልጺ ከምዝኾነ ብምግላጽ፡ ኣሜሪካ ምስቲ ኣህጉር ዘለዋ ርክብ ክተጠንክር ድሌት ከምዘለዋ ኣመልኪቶም።

ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ንምዝታይ ምስ ኢትዮጵኣዊ መዘንኦም ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ዝተራኸቡ እንትኾን፡ ክልቲኦም መራሕቲ ድሕሪ እቲ ዘካየድዎ ዘተ ኣብ ዝሃቡዎ መግለጺ፡ ክልቲኤን ሃገራት ዘመናት ዘቑጸረ ኩለ መዳያዊ ርክብ ኣለወን ክብሉ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ተዛሪቦም።

ዑደት እቶም ሚኒስትር ድማ ነዚ ጥንኩር ርክብ ምስክርነት ዝህብ'ዩ ኢሎም። ካብዚ ሓሊፉ ግና ኢሎም ዶክተር ወርቅነህ፡ ከባብያዉን ኣህጉራዉን ጉዳያት ሰላምን ደሕንነትን ኣካል ዘተኦም ከምዝነበረ ሓቢሮም።

"ጉዳይ ሶማሊያን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ክሊ ዘተና ኣልዒልና ኢና። ካብዚ ሓሊፉ ዓለምለኻዊ ጉዳያት ፖለቲካ፣ ቑጠባዉን ኢንቨስትመንትን ርክብ ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ምዕባይ ዝብሉ ርእሰ ጉዳያት ተላዒሎም'ዮም" ክብሉ ገሊጾም።

"እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ዝምልከት መግለጺ ሂብና ኢና" ዝበሉ ዶክተር ወርቅነህ፡ ኣሜሪካ ብኩለ መዳይ ናይ ቀረባ መሓዛ ኢትዮጵያ ኾይና ምምጽኣ ኣመስጊኖም።

ካብ ቻይና ልቓሕ ይቕበላ ንዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘጠንቀቑ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ሬክስ ቲለርሰን ብወገኖም፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ዘይምርግጋእ ንምቁጽጻር ዝወሰዶ ስጉምቲ ንኢዶም።

"እቲ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ፡ ሰባት ነጻነት ክረኽቡን፡ ኢንቨስትመንት ከይተኣጓጎልን ከምዝሕግዝ ንኣምን። እዞም ናዕቢታት ንጹሃት ዜጋታት ከጥቅዑ ስለዝኽእሉ፡ መንግስቲ ንዝወሰዶ ስጉምቲ ንንእድ። እንተኾነ ግና፡ ቐልጢፉ ክለዓል ኣለዎ" ኢሎም።

ብኻልእ ወገን ግና ኩሉ ዜጋ እታ ሃገር ዲሞክራሲያዊ ብዝኾነ መገዲ ሓሳቡ ዝገልጸሉ ሃዋህዉ ክመቻቾ ከምዘለዎ ሓቢሮም።

"ዜጋታት እዛ ሃገር ናዕቢ ብዘየልዕል መልክዑ ክንቀሳቐሱ ሓላፍነት ክወስዱ ኣለዎም። እቲ መንግስቲ'ዉን ናጻ ዝኾነ ሓሳባቶም ዝገልጽሉ ሃዋህዉ ክፈቅድ'ዩ ኢልና ትጽቢት ንገብር" በሃሊ'ዮም።

Image copyright AFP

ተመሳሳሊ ዛዕባታት