ግጥም ማንቸስተር ዩናይትድን ሊቨርፑል፡ ንካልኣይ ቦታ መን ሓዘ

ማንችስተር ዩናይትድን ሊቨርፑልን

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ስታድየም ኣንፉልድ ማንቸስተር ዩናይትድን ሊቨርፑል ተራኺበን ብዘይ ዝኾነ ሸቶ ማዕረ እንትፈላለያ ጆሴ ሞዉሪንሆ፡ ምክልኻል መሰረት ዝገበረ ሜላ ጸወታ ብምምራጾም ክንቀፉ ምኽንያት ኮይኑዎም'ዩ።

ቐዳምከ እዚ ክድገም'ዶ ይኸዉን?

ተንታኒ ኩዕሶ እግሮ ቢቢሲ ማርክ ላውረንሰን "ሞውሪንሆ ጥንቃቐ ዝተመልኦ ጸወታ ኣይመርጽን። እንተድኣ መሪጹ ግን ካብ ደገፍቱ ተቓዉሞ ክገጥሞ'ዩ" ይብል።

"ካብዚ ሓሊፉ፡ ማንችስተር ብወገን ምጥቃዕ ክንቀሳቐስ ብምግባር እቲ ጋንታ ሚዛኑ ክሕሉ ክገብር'ዩ"።

ማንቸስተር ዩናይትድ ብ62 ነጥቢ ካልኣይቲ፡ ሊቨርፑል ድማ ብ60 ነጥቢ ሳልሰይቲ ምህላወን ድማ ነዚ ናይ ክልቲኤን ግጥም ተወሳኺ ሚዛን ይህቦ።

ግምት ላዉሮ

ተንታኒ ስፖርት ቢቢሲ ማርክ ላውረንሰን ንኹለን 10 ግጥማት ናይ'ዚ ሰሙን'ዚ ግምታቱ ሂቡለን ኣሎ። ጸወታ ዩናይትድን ሊቨርፑልን 1 - 1 ክውዳእ ትጽቢት ጌሩሉ'ሎ።

ሃደርስፊልድ ምስ ስዋንዚ ከምኡ'ውን ዌስት ሃም ምስ በርንሊ ብተመሳሳሊ 1 - 1 ክፈላለያ'የን ኢሉ'ሎ። ኣርሰናል ንዋትፈርድ ኣብ ሜዳ ኤሚሬትስ 3 - 0 ክትስዕራ ተስፋ ጌይሩላ'ሎ።

ኤቨርተን ንብራይተን ከምኡ'ውን ቼልሲ ንክሪስታል ፓላስ 2 - 0 ክስዕረአን እንከለዋ ኒውካስል ድማ ንሳውዝሃምፕተን 2 - 1 ከተፋንዋ'ያ ኢሉ ግምቱ ኣስፊሩ'ሎ ላውረንሰን።

ካብ ሜዳአን ወጻኢ 2 - 0 ክስዕራ ዝገመተን ድማ እዘን ዝስዕባ'የን። ለስተር ን ዌስትብሮም፡ ቶተንሃም ንቦርንማውዝ፡ ከምኡ'ውን እታ ሰኑይ ምሸት ኣብ ሜዳ ስቶክ ሲቲ ትጻወት ማንቸስተር ሲቲ 2 - 0 ክስዕራ ምዃነን እዩ።