ኢትዮጵያን ሩሲያን ኣብ ፕሮግራም ኒኩለር ተሰማሚዐን

ሚኒስትራት ጉደያት ወጻኢ ኢትዯጵያን ሩሰያን ሓበራዊ መግለፊ እንትህቡ

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ምስ ሩሲያዊ መዘንኦም ሰርገይ ላቭሮቭ ዘትዮም።

ክልቲኦም ሰበ ስልጣን ኣብ ዝሃብዎ ሓበራዊ መግለጺ ድማ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ማእኸል መብላዕልዒ ኒኩለር ንምጥያሽ ከምዝተሰማምዑ ገሊጾም።

እዚ ፕሮግራም፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ድሕሪ ዝፍረም ስምምዕነት ተግባራዊ ከምዝኸዉን ሰርገይ ላቭሮቭ ተዛሪቡ።

ካብዚ ሓሊፉ እቲ ፕሮግራም ንሰለማዊ ኣገልግሎት ዝዉዕል'ዩ ኢሎም እቶም ሚኒስትራት።

ብኻልእ ወገን ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ንምዕባይ ካብ አዲስ አበባ ናብ ሞስኮ በብመዓልቱ በረራ ንምጅማር ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበጽሐ ኣብ መግለጺኦም ተዛሪቦም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት