ኣሜሪካ ምስ ሰሜን ኮርያ ዝግበር ዘተ ዘምጽኦ ሓደጋ ትርድኦ'ያ- ሓላፊ ትካል ስለያ

ህዋሶንግ -15 ባላስቲክ ሚሳይል Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ሰሜን ኮርያ ምምዕባል ኣፅዋር ኑክሌር ኣበርቲዓ ትደፍኣሉ

ሓላፊ ሲ ኣይ ኤ (ትካል ስለያ ኣሜሪካ) ማይክ ፖምፔ ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ምስ መራሒ ሰሜን ኮርያ ንምርኻብ ዝወሰዶ ስጉምቲ ደጊፉ፡ እቲ ፕረሲደንት ነቲ ከጋጥም ዝኽእል ሓደጋ ይርድኦ'ዩ ድማ ኢሉ።

ትራምፕ "ነቲ ዘሎ ጸገም ንምፍታሕ ደኣ'ምበር ንትያትር ኢሉ ኣይኮነን ዝገብሮ ዘሎ" ክብል ንማዕከን ዜና ፎክስ ኒውስ ሳንደይ ሓቢሩ እቲ ሓላፊ ስለያ።

ፕረሲደንት ትራምፕ እቲ ተወጢኑ ዘሎ ዝርርብ "ንዓለም እቲ ዝዓበየ ስምምዕ ክፈጥር ይኽእል እዩ" ኢሉ።

ነቐፍቲ ግን፡ እቲ ዝርርብ እንተፈሺሉ፡ ኣብ መንጎ እተን ክልተ ሃገራት ዘሎ ኩነታት ናብ ዝኸፍአ ከምርሕ'ዩ ክብሉ ኣጠንቂቖም።

ቅድሚ ሕጂ ዋላ ሓደ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረሲደንት ኣሜሪካ ምስ መራሒ ሰሜን ኮርያ ተራኺቡ ኣይፈልጥን'ዩ።

እቲ ሰሜን ኮርያ እትደልዮ ከምዚ ዓይነት ርክብ ቅድሚ ሕጂ እታ ሃገር ዓብይ ሕድገታት ኣብ ዝገበረትሉ እዋናት ጥራይ'ዩ ተኽእሎ ነይርዎ።

ፕረሲደንት ትራምፕ ንምምሕዳሩ ብዘገረመ ኩነታት'ዩ እቲ ሓሳብ ብደቡብ ኮርያውያን ዲፕሎማሰኛታት ብሓሙስ ምስ ቀረበሉ ብኡ ንብኡ ተቐቢልዎ ዝበሃል።

ሰሜን ኮርያ ኣብ ትሕቲ ጽቡቕ ኩነት፡ ኑኩሌራዊ ኣጽዋራታ ክትውግዶ ከምትኽእል ቅድሚ ሕጂ'ውን ደጋጊማ ገሊጻ ነይራ'ያ።

ካብ 2003 ኣትሒዙ፡ ፊናንሳዊ ሓገዝ ሂብካ ዕጥቂ ንምፍታሕ ዝተገብረ ተደጋጋሚ ፈተነታት ግን፡ ሰሜን ኮርያ ካብ ስምምዕ ምሕራም ኑክሌራዊ ኣጽዋራት (ኑክሌር ናን ፕሮሊፈሬሽን) ምስ ሰሓበት ኣይተዓወተን።

ምምሕዳር ትራምፕ፡ ንብድሆ ሰሜን ኮርያ ገና "ብፈጣጥ ዓይኑ" ከምዝርእዮ ሚስተር ፖምፔ ንማዕከን ዜና ሲ ቢ ኤስ ሓቢሩ።

ሰሜን ኮርያ ናብ ጠረጴዛ ዘተ ትመጽእ ዘላ እቲ ብኣሜሪካ ኣብ ልዕሊኣ ዝተነብረ ማዕቀብ ንቑጠባኣ ድዋዕዋዕ ስለ ዘበሎ'ዩ ድማ ኢሉ።

"ቅድሚ ሕጂ እዚ ሕጂ ሰሜን ኮርያውያን ዘለውዎ ንመራሕቶም ኣብ ጸቕጢ ዘእተወ ቁጠባዊ ኩነታት ፈጺምና ርኢናዮ ኣይንፈልጥን ኢና" ኢሉ።

ካልእ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ዋይት ሃውስ (ቤተ-መንግስቲ ኣሜሪካ) ዝኾነ ሚኒስተር ፋይናንስ ስቲቭ ምኑቺን ድማ እቲ "ንጹር" ዕላማ ናይቲ ተወጢኑ ዘሎ ዘተ ንሓውሲ-ደሴት ኮርያ ካብ ኑአክሌራዊ ኣጽዋር ነጻ ንምግባር'ዩ ኢሉ።

ኣሜሪካ ድማ ቅድሚ'ቲ ዝግበር ዘተ፡ ዝኾነ ይኹን ፈተነ ሚሳይላት ይኹን ኑክሌራዊ ኣጽዋራ ከይግበር ትጽበ ድማ ኢሉ።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኪም ጆንግ ኡን ምስ ፕረዚደንት ትራምፕ

መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ነቲ ዘተ "ከይምዝምዞ" ይፍራሕ

ፖለቲከኛታት ናይተን ክልተ ሰልፍታት ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ'ቲ ተወጢኑ ዘሎ ዘተ ስግኣቶም ገሊጾም ኣለዉ።

እቲ ዘተ ቅድሚ ምክያዱ፡ "ኑክሌራዊ ኣጽዋር ንምውጋድ ጭቡጥን ክጻረ ዝኽእልን ስጉምትታት" ክርእይ ከምዝደሊ ናይ ሰልፊ ሪፓብሊካን ሰኔተር ኮሪ ጋርድነር ገሊጹ።

ካልእ ሪፓብሊካን ሰኔተር ጀፍ ፍሌክ ድማ፡ ብክውንነት ዕላማ ምንጻህ ኑክሌራዊ ኣጽዋራት ከምዝጠራጠር ገሊጹ።

ናይ ሰልፊ ደሞክራትስ ሰኔተር አልሳቤጥ ዋረን ድማ እቲ "ዝጸነተ" ስቴት ደፓርትመንት (ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ) ብሓቂ ንኣካይዳ ሰሜን ኮርያ ዝርድኡ ሰበ-ስልጣን ኣለልውዎ ድዮም ክትብል ስጋኣታ ገሊጻ። "ፕረሲደንትና ክዕወት ይደልዮ'የ፡ ምኽንያቱ፡ ንሱ እንተተዓዊቱ ኣሜሪካ ተዓዊታ ማለት'ዩ፡ ዓለም ድማ ውሕስቲ ትኸውን" ኢላ ንሳ። "እንተኾነ ግን፡ ክብለጽሉ ስለዝኽእሉ ብጣዕሚ'የ ዝሰግእ" ድማ ኢላ።

ሰሜን ኮርያ "ሰላም ትደልይ እያ" ይብል ትራምፕ

ሰሜን ኮርያ "ሰላም ትደሊ'ያ" ኢሉ ፕረሲደንት ብቐዳም ንደገፍቱ ኣብ ሓደ ናይ ፐንሲልቨኒያ ናይ ፖለቲካ ጎስጓስ ኣብ ዘስመዖ መደረ። ኑክሌራዊ ኣጽዋር ንምእላይ ምዕባለታታ ኣንተዘይተራእዮም ግን ነተ ዘተ ብህጹጽ ከቋርጾ ከምዝኽእል ኣተንቂቑ'።

"ኣብተን ፈለማ ሰዓታት መራሒ ሰሜን ኮርያ ብዛዕባ ምእላይ ሚሳይላትን ኑክሌራዊ ኣጽዋራት ንምዝታይ ማሳይ ክራኸብ ከምዝደሊ ድሕሪ ምግላጹ፡ ማዕከናት ዜና ደንጺወንን ተገሪመንን። ክኣምና ኣይከኣላን። ንጽባሒቶ ንግሆ ግን እቲ ዜና ናይ ሓሶት ዜና'ዩ ኢለን። ንመን'ሞ ይዓጅቦ" ኢሉ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ ፕረሲደንት ትራምፕ።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ሓላፊ ሲ ኣይ ኤ (ትካል ስለያ ኣሜሪካ) ማይክ ፖምፔ

"እዋእ፡ እንታይ ከምዝኸውን (ከምዝፍጠር) መን ይፈልጥ" ኢሉ ትራምፕ ኣብ'ቲ ጎስጓስ ናይ ሓደ ናይ ሪፓብሊካን ኮንግረስ (ፓርላማ ኣሜሪካ) ተወዳዳሪ ኣብ ዘስምዖ መደረ።

"ወይ ቀልጢፈ (ካብ'ቲ ዘተ) ክወጽእ'የ ወይ ድማ ንዓለም እቲ ዝዓበየ ስምምዕ እገብር እኸውን" ድማ ኢሉ።

ነቲ ዘሎ ናይ ኑክሌር ወጥሪ ዘፍኩስ ስምምዕ ይብጻሕ ይኸውን፡ ብፍላይ ድማ ንከም ሰሜን ኮርያ ዝኣመሰላ ሃገራት ንምሕጋዝ ዝጠቅም ስምምዕ ኢሉ።

ኣብ ፈለማ'ኳ፡ እቲ ዘተ ኣብ መወዳእታ ግንቦት ክካየድ ይኽእል'ዩ ተባሂሉ እንተነበረ፡ መዓስን ኣበይን ከምዝካየድ ግን ገና ኣይተወሰነን ዘሎ።

ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ደቡባ ኮርያ እታ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ኮርያታት ዘሎ ካብ ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት ነጻ ዝኾነ ቦታ እትርከብ ናይ ዕርቂ ቁሸት ዝኾነት ፓንሙንጆም "ዕትብቲ" ኣማራጺት ምኻና ገሊጹ'ሎ ክትብል ማዕከን ዜና ዮንሃፕ ጸብጺባ።

ሽወደን፣ ስዊዘርላንድን ቻይናን ድማ እተን ነቲ ዘተ ከእንግዳ ዝኽእላ ካልኦት ኣማራጺታት እየን።