ነብስ ወከፍ ኣባል ቤት ምኽሪ ናይጀርያ ኣብ ወርሒ 37 ሽሕ ዶላር ከምዝተኸፍሎም ሓደ ኣባል አቃሊዑ

ሸሁ ሳኒ
ናይ ምስሊ መግለጺ ክፍሊት ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ናይጀርያ ምቅላዕ ናይ ሕልና ጉዳይ'ዩ ይብል፥ ሸሁ ሳኒ

ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ናይጀርያ ነብስ ወከፍ ወርሓዊ 37 ሽሕ ዶላር ብዘይ ኣግባብን ንውልቀ ረብሐኦም የውዕሉ ክብል ሓደ ኣባል እቲ ባይቶ ዝኾነ ፖለቲከኛ ኣቃሊዑ።

ንኦል ፕሮግረሲቭሰ ፓርቲ ( ኤ ፒ ሲ) ወኪሉ ኣባል እቲ ቤት ምኽሪ ዝኾነ ሸሁ ሳኒ፥ እቲ ወፃኢ ተገይሩ ዝተብሃለ ገንዘብ ዝወፀሉ መገዲ ብዙሕ ተሓታትነት ዘይብሉ ብሃበ ተረኸበ ዝፈጸም ከምዝኾነ ይዛረብ።

መብዛሕትኡ ሰብ ናብ ፖለቲካ ዝኣትወሉ ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት ነዚ ንገንዘብ ኢሉ ምዃኑ ብምሕባር፥ እቶም ተፈፂሞም ዝተብሃሉ ክፍሊታት ክፍተሹን ምርመራ ክካየደሎምን ከምዝግባእ ሓቲቱ።

"ናይ ህሊና ጉዳይ ኮይኑኒ ነዚ ነገር ከቃለዖ ወሲነ። " ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ ኣይተ ሳኒ።

"እቲ ሃገራዊ ባይቶ ግልፅነት ካብ ዝጎደሎም መንግስታዊ ኣካላት ሓደ እዩ። ሕልናይ ወቒሱኒ እቲ ጉዳይ ግልፂ ከውፀኦ ድማ ተገዲደ። ክምርመርን ክፍተሽን ከምዘለዎ እኣምን"።

እዚ ናይ ክፍሊት ስርዓት እንተደኣ ተመሓይሹ እቲ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሓሳብ ከመንጭዉ ድሌት ንዘለዎም ሰባት ጥራሕ ክፉት ክኸውን'ዩ ድማ ይብል።

እዚ ሕቶ ዘልዓለ ክፍሊት ሓደ ኣባል እቲ ባይቶ ኣብ ርእሲ ዝኽፈሎ ካብ 2000 ንላዕሊ ዶላር ብተወሳኺ እዩ።

ከምኡ'ውን ብሓፈሻ ብዓመት 5.5 ሚልዮን ዶላር ባጀት ይስለዐሎም እዩ።

እዚ ከምዚ እናሃለወ ኣብ ናይጀርያ እቲ ዝተሓተ ደረት ክፍሊት ግን 50 ዶላር ጥራሕ እዩ።

እቲ ቤት ምኽሪ እቲ ኣባል ዘቃለዖ ሓቅነት ዘይከሓደ'ኳ እንተኾነ፥ ነገር ግን "ሓድሽ ነገር ኣይኮነን" ክብል አናኢሱዎ።

ወሃቢ ቃል እቲ ቤት ምኽሪ " ዳርጋ ኩሎም ተመረፅትን ሹመኛታትን ነቲ ዝመርሑዎ ቢሮ መካየዲ ስራሕ ባጀት ይስለዐሎም እዩ፥ እዚ ድማ ምስ ወርሓዊ መሃየኦም ክራኸብ የብሉን" ኢሎም።

ብድሕሪት ዝኽፈል

ኣብ ናይጀርያ ወኪል ቢቢሲ ዝነበረ ዊል ሮዝ ከምዚ ይብል።

እቲ ሃገራዊ ባይቶ ንኣባላቱ ዝፍፀም ክፍሊት ኮነ ኢሉ ናይጀርያውያን ከይፈልጡዎን ከይርድኡዎነ ገይሩ ይብል።

ሸሁ ሳኒ ነዚ ጉዳይ ኣቃሊዑዎ ኣሎ። እቲ ብግልፂ ነቶም ኣባለት ዝኽፈል 2000 ዶላር ወርሓዊ መሃያ ብዙሕ ዘገርም ኣይኮነን።

ብድሕሪት ብውሽጣ ውሽጢ ዝኽፈል ገንዘብ ግን ዘደንግፅ እዩ ይብል።

ሓደ ንክልተ ዓመት ዘገልገለ ኣባል እቲ ባይቶ ጠቕላላ ወፃኢ ዝገበሮ ክፍሊት ክሳብ 3.5 ሚልየን ይበፅሕ።

ኣመራርሓ ሲቪል ማሕበረሰብ እታ ዓዲ ነቲ በቲ ኣባል ዝተወስደ ስጉምቲ ኣድኒቖም፥ ኣበርቲዑ ክቕፅለሉ ድማ ተላብዮም።

ናይጀርያውያን እቲ ጉዳይ ዝፈጠረሎም ቁጠዐ ብማሕበራዊ መራኸቢታት እኳ እንተገለጹ ክፍተሽ'ዩ ዝብል ተስፋ ግና ኣብ መብዛሕተኦም የለን።

ብፍላይ ሓደ፡ ኣብ ናይ ትዊተር ገፁ ከምዚ ክብል ፅሒፉ።

"ናይ ናይጀርያ ገንዘብ ናበይ ይኣቱ ከምዘሎ ሎሚ'ዩ ዝበርሀልና"።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት