ውሩይ ሳይንቲስት ስቴፈን ሃውኪንግ ኣብ 76 ዓመቱ ዓሪፉ

ስቴፈን ሃውኪንግ Image copyright BBC/Richard Ansett

ውሩይ ሳይንቲስት ስቴፈን ሃውኪንግ ኣብ 76 ዓመቱ ከምዝዓረፈ ስድራቤቱ ኣፍሊጦም።

እዚ እንግሊዛዊ ተመራማሪ ፊዚክስ "ብላክ ሆልስ" ከምኡ'ውን "ሪለቲቪቲ" (ፀሊም ነጣብጣብን ንፅፅርን) ብዝኣመሰሉ ክልስ ሓሳባቱ ብዝበለፀ ይፍለጥ።

ከምኡ'ውን ከም "ሓፂር ታሪኽ ግዜ" (A Brief History of Time) ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ሳይንሳዊ መፃሕቲ አበርኪቱ እዩ።

"ሎሚ መዓልቲ ዓብይ አቦና ብምስኣንና ብጣዕሚ ንሓዝን" ይብል እቲ ካብ ስድራቤት ዝተውሃበ መግለፂ።

ስቴፈን ወዲ 22 ዓመት እንከሎ ናይ ነርቪ ሕማም ከምዘለዎ ምስተፈለጠ ሒደት ዓመታት ጥራሕ ናይ ምንባር ዕድል ከምዝነበሮ'ዩ ተነጊሩዎ ነይሩ።

እቲ ሕማም ካብ ኣሽዑ ጀሚሩ ብዊልቸር ክንቀሳቐስን ብሓገዝ መሳርሒ ጥራሕ ክዛረብን አገዲዱዎ ፀኒሑ።

ሰለስተ ደቁ ሉሲ፣ ሮበርትን ቲምን ዝበሃሉ ኣብቲ ዝሃቡዎ መግለፂ፡ "አቦና ዓብይን ፍሉይን ሳይንቲስት ነይሩ። ስራሕቱ ንዘልኣለም ሓድጊ ኮይኖም ክነብሩ እዮም" ኢሎም። ስቴፈን ሃውኪንግ ብዙሓት "ተባዕን ሓቦኛን" ክብሉ የድንቑዎ።

ከምኡ'ውን ናቱ "ፈልጠትን ዋዛን" ንህዝቢ ዓለም ዓብይ መርአያ ከምዝነበረ ብዙሓት ይዛረቡ።

ሓደ እዋን ከምዚ ኢሉ ነይሩ ይብሉ ደቁ።

"እዚ ህዋ ዝበሃል ነገር እተፍቅሩዎ ሰብ ዝነብረሉ እንተዘይኸውን ነይሩ ብላሽ ምዃነ"።

"ንሓዋሩ ስኢንናዮ" ክብሉ ድማ ሓዘኖም ገሊፆም።

ብዛዕባ ስቴፈን ሃውኪንግ ብሓፂሩ

  • ጃንዋሪ 8 1942 ኣብ ኦክስፎርድ፥ ኣዲ እንግሊዝ ተወሊዱ
  • ኣብ ዩኒቨርስቲ ካምብሪጅ ዶክትሬት ድግሪ ቅድሚ ምስርሑ ብ1959 ኣብ ዩኒቨርስቲ ኦክስፎርድ ተፈጥሮ ሳይንስ የፅንዕ ነይሩ
  • ብ1963 'ሞቶር ኒውሮን' ብዝበሃል ዓይነት ሕማም ነርቪ ከምዝተጠቕዓ ተፈሊጡ፤ ንክልተ ዓመት ጥራሕ ብህይወት ከምዝነብር ተነጊሩዎ።
  • ብ1974 'ፀለም ነጠብጣብ' (black holes) 'ሃውኪንግ ጨረር' የመንጭው ዝብል ክልስ ሓሳብ ኣፍሊቑ
  • ብ1988 'A Brief History of Time' (ሓፂር ታሪኽ ግዜ) ዝብል ብ100 ሚሊዮናት ዝተሸጠ መፅሓፍ ኣበርኪቱ
  • ህይወት ታሪኹ ብ2014 'ዘ ቲኦሪ ኦፍ ኢቭሪቲንግ' ኣብ ዝብል ፊልም ተዘንቲዉ