ኢትዮጵያ፡ ተማሃሮ ጺዒና ዝተገምጠለት ኣውቶቡስ ሓደጋ ሞት

ናይ ምስሊ መግለጺ ሓደጋ መኪና ሂወት ብዙሓት ሰባት ዝቐዝፍ ዘሎ ጉዳይ'ዩ

ተማሃሮ ጺዒና እትጓዓዝ ዝነበረት ኣውቶቡስ ኣብ ከባቢ ለጋምቦ፡ ክልል ኣምሓራ ብምግጣላ፡ 38 ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊጹ።

ብሰንኪ'ቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ንሰሜን ኣብ ዘርከብ ለጋምቦ ዘጋጠመ ሓደጋ 28 ደቂ ተባዕትዮን 10 ደቂ ኣንስትዮን ከምዝሞቱ፡ ሓለፍቲ'ቲ ከባቢ ሓቢሮም።

ቀሊልን ከቢድን ጉድኣት ዝወረዶም ካልኦት 10 ተጓዓዝቲ ብህይወቶም ክወጽኡ ከምዝኻሉን መብዛሕትኦም ግዳያት'ቲ ሓደጋ ተማሃሮ ላዕለዋይ ትምህርቲ ከምዝነበሩን፡ ፈነወ ተሌቪዥን ፋና ኣቃሊሓ።

ኣዲስ ስታንዳርድ ዝተባህለ ማዕከን ሓበሬታ ብወገኑ፡ እታ ኣውቶቡስ 5 ሜትሮ ንቑልቁል ከምዝጸደፈት ኣቃሊሑ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት