ተሬዛ መይ 23 ሩስያውያን ዲፕሎማሰኛታት ካብ ሃገራ ክወጹ ኣዚዛ

ሰርገይ ስክሪፓልን ጓሉ ዩልያን Image copyright EPA/YULIA SKRIPAL/FACEBOOK
ናይ ምስሊ መግለጺ ሰርገይ ስክሪፓል ንትካል ስለያ ዓዲ እንግሊዝ ሓበሬታ ኣቐቢልካ ተባሂሉ ኣብ ሩስያ ተኣሲሩ ነይሩ'ዩ

ዓባይ ብሪጣንያ ን23 ዲፕሎማሰኛታት ሩስያ ካብ ሃገራ ክትሰጉግ ምዃና፡ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ተሬዛ መይ ኣፍሊጣ።

መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ነዚ ስጉምቲ ክወስድ ዝወሰነ፡ ምምሕዳር ሞስኮ ነቲ ኣብ ሶልስብሪ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሩስያዊ ኣባል ስለያ ዝነበረ፡ መርዛም ቀመም ብምጥቃም ፈተነ ቅትለት ኣካዪዳ ተባሂላ ንዝተኸሰሰትሉ መልሲ ክትህበሉ ተሓቲታ ድሕሪ ምንጻጋ'ዩ።

እቶም ንኽወጽኡ ሓደ ሰሙን ተዋሂቡዎም ዘለዉ ሩስያውያን "ዘይወግዓውያን ኣባላት ስለያ" ተባሂሎም ዝተለለዩ እዮም ድሕሪ ምባላ፡ ንሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሩስያ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ንኽበጽሕ ተጌሩሉ ዝነበረ ዕድመ ከምዝተሳሕበን፡ ንጉሳዊ ቤተሰብ ብሪጣንያ ኣብቲ ዝመጽእ ሰነ ኣብ ሩስያ ዝካየድ መኽፈቲ ዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ከምዘይሳተፉን፡ ተሬዛ መይ ብተወሳኺ ኣፍሊጣ።

ሩስያ ኣብ ፈተነ ቅትለት ሰርገይ ስክሪፓል ኢድ ከምዘይብላ'ያ ትገልጽ። ኤምባሴ ሩስያ፡ ምስጓግ ናይቶም 23 ዲፕሎማሰኛታት "ዘይቅቡልን ዘይፍትሓዊን'ዩ" ክብል ገሊጹዎ'ሎ።

Image copyright PA
ናይ ምስሊ መግለጺ እቲ ኣብቲ ፈተነ ቅትለት ዝተጠቕምሉ መርዛም ቀመም ብሶቬት ሕብረት ዝተሰርሐ'ዩ

ድሕሪ'ቲ ብዕለት 4 መጋቢት ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኩነታት ጥዕና'ቲ ወዲ 66 ዓመት ዝኾነ ሰርገይ ስክሪፓልን ጓሉ ዩልያን ስለዘይተማሓየሸ፡ ኣብ ሆስፒታል ጌና ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ክንክን ይርከቡ።

ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተገብረሉ ቦታ ቀዲሙ ዝተረኽበ ኣባል ፖሊስ ዓዲ እንግሊዝ ዲተክቲቭ ሳርጀንት ኒክ ቤይሊ'ውን ግዳይ ናይቲ መጥቃዕቲ'ቲ መርዛም ቀመም ኮይኑ ኣብ ትሕቲ ሕክምናዊ ክንክን እንተሃለወ'ኳ፡ ኩነታት ጥዕንኡ ይመሓየሽ ከምዘሎ ይንገር።