ቁርፅራፅ ፕላስቲካ ኣብ ዕሹግ ማይ ተረኺቡ

ዕሹግ ማይ

ኣብ ልዕሊ ዓበይቲ ዕሹግ ማይ ዘፍርያ ኩባንያታት ዝተገብረ መርመራታት፡ ኣብቲ ዘቕርብኦ ዕሹግ ማይ ኣንኣሽቱ ቁርፅራፅ ፕላስቲክ ከምዝተረኽበ ተገሊጹ።

ኣብቲ ብዓይነቱ ዝዓበየ ዝተኻየደ መርመራ፡ ካብ ትሽዓተ ሃገራት ካብ ዝመጸ 250 ዕሹግ ማያት መርመራ ተኻይዱ።

እቲ ብማሕበር ጋዜጠኛታት - ኦርብ ሚድያ [Orb Media] ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከምዘምልክቶ፡ ብገምጋም ኣብ ሓደ ሊትሮ ዕሹግ ማይ ኣብ ዝተገብረ መርመራ ዳርጋ 10 ንኣሽቱ ንጣር ፕላስቲክ ከምዝተረኽበ ተፈሊጡ።

በንጻሩ እተን መርመራ ዝተኻየደለን ኩባንያታት፡ እቲ ዕሹግ ማይ ዘፍሪ ፋብሪካታተን ልዑል ደረጃ ብዝሓለወ ኣገባብ ከምዝንቀሳቐስ ገሊጸን።

እቲ መርመራ ኣብ ፍሬዶንያ ዝርከብ ስቴት ዩኒቨርስቲ ኒው ዮርክ ኢዩ ተኻይዱ።

Image copyright ORB Media

ፕሮፌሰር ሸሪ ማንሶን፡ ናይ ኬሚስትሪ መምህር ኣብቲ ዩኒቨርስቲ፡ ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ፡ "ኣብ ኩለን ዕሹግ ማይ ዘፍርያ ዓበይቲ ኩባንያታት ዘካየድናዮ መርመራታት፡ ንጣር ፕላስቲክ ኣብቲ ዕሹግ ማይ ረኺብና" ኢሉ።

"እቲ ኣብቲ ዕሹግ ማይ ዝረኸብናዮ ቁጽሪ ናይ ፕላስቲክ ጥፍኣት ዝስዕብ ኣይኮነን፡ ዘሻቕል ግን ኢዩ"ኢሉ ፕሮፌሰር ማንሶ።

እተን ዕሹግ ማይ ዘፍርያ ኩባንያታት ግና፡ ብዝዕባ'ቲ ዝተግብረ መጽናዕቲ ርእይቶአን ክህባ ከለው፡ ፍርያተን ልዑል ደረጃ ናይ ድሕነትን ብቕዓትን ዘማልአ ከምዝኾነ ገሊጸን።