8 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ሓገዝ ምግቢ የድልዮም

ኣስታት 8 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ሓገዝ መግቢ የድልዮም። Image copyright YONAS TADESSE
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣስታት 8 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ሓገዝ መግቢ የድልዮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕጽል ዓመት ሓገዝ ምግቢ ንዘድልዮም ኣስታት ሸሞንተ ሚልዮን ዜጋታት ዝኸውን ናይ 1.4 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ከምዘድሊ ኮምሽነር ምትኩ ካሳ ንቢቢሲ ኣፍሊጦም።

እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ እዋናዊ ፖለቲካዊ ቅልውላው ነቲ ረድኤት ከምዘየተዓናቐፎ'ውን ኣይተ ምትኩ ካሳ ሓቢሮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ቀረባ እዋን ንነዘ ተደጋጋሚ ድርቂ የጋጥም ከምዘሎ ዝሓበሩ እቶም ኮምሽነር ክልል ኦሮምያ ልዑል መጠን ረድኤት ዘድልዮ ክፋል ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ገሊጾም።

ካብቲ ንረድኤት የድሊ'ዩ ዝተበሃለ መጠን ገንዘብ እቲ 138 ሚልዮን ዶላር መንግስቲ ከምዝሰልዕ ተሓቢሩ።

ካብቶም ሓገዝ መግቢ ዘድልዮም እቶም ኣስታት 7 ሚልዮን ብሰንኪ ድርቅን ምግህማስ መሬትን እቶም ዝተረፉ ሓደ ሚልዮን ድማ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ዝነበረ ጎንጺ ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ከምዝኾኑ ኮምሽነር ምትኩ ካሳ ሓቢሮም።

ሓገዝ ምግቢ ዘድልዮም ብመንጽር ክልላዊ ቀመር እንትረአ ድማ 41 ሚኢታዊት ክልል ኦሮምያ፣ 23 ሚኢታዊ ክልል ሶማሊ ኢትዮጵያ፣ 13 ሚኢታዊት ካብ ክልል ደቡብ ከምኡ'ውን 9 ሚኢታዊት ካብ ትግራይ ከምዝኾኑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ'ዩ።

እቲ ኣብዚ እዋን ኣጋጢሙ ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋዕ ኣብ ምብጽጻሕ ረድኤት ማዕረ ክንደየናይ ኣሉታዊ ጽልዋ ፈጢሩ ንዝብል ሕቶና ኮምሽነር ምትኩ ካሳ ከምዚ ክብሉ ምላሽ ሂቦም።

"ድርቂ ብኣውርኡ ዝተኸሰተ ኣብ ደቡብ ደቡባዊ ምብራቕ ክፋል ኢትዮጵያ ስለዝኾነ ሓገዝ መግቢ ክነበጻጽሕ ዝገጠማና ጸገም የለን። ብሰንኪ እቲ ጎንጺ ንዝተመዛበሉ ወገናት ንምብጽጻሕ ግና ዝተወሰነ ምትዕንቓፋት ገጢሙና ነይሩ'ዩ"።

እንተኾነ ግና እቲ ኮምሽን ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ምስ መንግስቲ ፌደራልን መዳርግቲ ኣካላትን ተሓባቢሩ እቲ ረድኤት ናብቲ ዝድለ ማሕበረሰብ ከምዘበጻጽሐ ኮምሽነር ምትኩ ኣረዲኦም።