ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣብ መበል 37 ዋዕላ ሰብኣዊ መሰላት

ጀርማኖ ናቲ Image copyright Yona Germano
ናይ ምስሊ መግለጺ ጀርማኖ ናቲ ሓደ ካብቶም ብጉጅለ 15 ዝፍለጡን ኣብ 2001 ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ዝነበረን'ዩ

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰምን'ዚ ኣብ ጀነቫ ሲዊዘርላንድ ብቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተወደበ ዘተ ተኻይዱ ነይሩ። ኣብቲ ኣኼባ ብዛዕባ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ብሰፊሑ ተዘትይሉ። ኣብቲ ኣኼባ ካብዝተረኽቡ ቤተሰቦም ንነዊሕ ዓመታት ዝተኣሰርዎምን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝሞትዎምን ውልቀሰባት ዮና ጀርማኖ ናቲን ሳምሶም ሰሎሞንን'ዮም።

"ን17 ዓመታት ደሃይ እሱር ወላዲኻ ከይሰማዕካ ምንባር ከቢድ ስቓይ እዩ። ኣቦይ ብህይወት ኣሎ'ድዩ የሎን ንፈልጦ የብልናን። - ካብታ ብስራሕ ንደልየካ ኣሎና ኢሎም ዝወሰዱዎ ረፍዲ ሃለዋቱ ሰሚዕና ኣይንፈልጥን ንዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ሓቲትና እውን ምላሽ ኣይረኸብናን" መንእሰይ ዮና ጀርማኖ ናቲ ኣብ መበል 37 ስሩዕ ዋዕላ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ብዘይ ፍትሒ ዝተኣስረ ወላዲኡ ዝሃቦ ምስክርነት እዩ።

መንእሰይ ሳምሳም ሰሎሙን እውን " ድሕሪ 14 ዓመታት ዘይፍትሓዊ ማእሰርቲ፡ ኣቦኹም ብሃንደበታዊ ሕማም ዓሪፉ ኢሎም ንስድራና ሬሳ ሂቦሞም። እቲ ዘገርም ነገር ከኣ ነቦይ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ክንቀብሮ ሓቢሮሙና" ይብል ክሳብ ሕጂ ምኽንያት ማእሰርቲ ወላዲኡ ብዕሊ ዘይተነግሮ ግዳይ።

ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ ምስቶም ጂ-15 ተባሂሎም ዝጽውዑ፡ ናብ ህዝብን መንግስትን ቅሉዕ መልእኽቲ ዝጸሓፉ ገዳይም ተጋደልቲ ኣብ መስከረም 2011 ዝተኣስረ ተወላዲ ብሄረ ኩናማ ክኽውን እንከሎ ሓላፊ ቴክኒክ ቴሌኮሚኒኬሸን ተጋዳላይ ሰሎሞን ሃብቶም ከኣ ምኽንያቱ ብዘይተገልጸ ምኽንያት፡ ኮን'ዶ ኾን ንዑቕበ ኣብርሃ ወዲ ሓዎብኡ ብምዃኑ ተኣሲሩ ይኸውን ዝበሃል ኣብ 2003 እዩ ተኣሲሩ። ክልቲኦም ገዳይም ተጋደልቲ ብወግዒ ኣይተኸሱን ኣብ ቤት ፍርዲ እውን ኣይቀረቡን። ሰሎሞን ድሕሪ 14 ዓመታት ማእሰርቲ ሞይቱ ጀርማኖ ከኣ ሓቢሮሞ ምስ ዝተኣስሩ ሚኒስተራትን ጀነራላትን ዝርከቡዎም ገዳይም ተጋደልቲ ኣብ ዒላዒሮ ተኣሲሩ ኣሎ። ንሃለዋቱ ዝምልከት ዝኾነ ይኹን ሓበሬታ የሎን።

Image copyright ELSA CHYRUM
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣቶ ሰሎሞን ሃብቶም ኣብቲ ብ'ካርሸሊ' ዝፍለጥ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምዕራፉ ሬሳኡ ንቤተሰቡ ተዋሂቡ

እዞም ክልተ መሰኻኽር ስድራ ቤት ግዳያት ዮናን ሳምሶምን ኣብቲ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ንኹነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣባል ሃገራት ብዝምልከት ኣብ ዘካይዶ ስሩዕ ኣኼባ ብኤርትራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብዝተዋህቦም ዕድል እዮም ምስክርነቶም ሂቦም።

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት፡ ነተን ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝውቀሳ ሃገራት፡ ብኣባል ሃገራትን ብኣህጉራውያንን ሃገራውያንን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይግምግመን ከመሓይሸኦ ዝግበአን ጉዳያት ንከመሓይሻ ከኣ ምሕጽንታ ይህበን። ኣብቲ ዝቕጽል ዓመት ከኣ ካብቲ ዝተዋህበን ምሕጽንታ ማዕረ ክንደይ ተግቢረንን ከመይ ሰጒመንን ተመሊሱ ይግምግመን።

ኤርትራ ከኣ ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዛ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክትውቀስ ጸኒሓስ እቲ ዝተዋህባ ተደጋጋሚ ምሕጽንታ ኣየመሓየሸትን። ስለዝኾነ ከኣ ኣብ ኤርትራ ተፈጺሙ ንዝበሃል ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣጽኒዓ ጸብጻባ እተቕርብ መርማሪ ኮሚሽን ቆይሙ። እንተኾነ ኣብ ኤርትራ ኣትዩ ከጽንዕ ስለዘይተፈቕደሉ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ስደት ካብ ዝነበሩ ግዳያትን ከም ዮና ጀርማኖን ሳምሶን ሰሎሙንን ዝኣመሰሉ ስድራ ግዳያት ኣዘራሪቦም ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ጎረባብቲ ሃገራት ብምኻድ መጽናዕቲ ብምክያድ "ኣብ ኤርትራ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ተፈጺሙ እዩ" ብምባል እማመኡ ምቕራቡ ዝዝከር እዩ። እንተኾነ መንግስቲ ኤርትራ ንጸብጻብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣይተቐበሎን፤ እቲ ኣብ ዜጋታት ዝወርድ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዘይተመሓየሸ እዩ እዚ ናይ ሕጂ ኣኼባ ሓቢሩ።

መንግስቲ ኤርትራ ግን ነቲ ክስታት ንኤርትራ ፓለቲካዊ ዕላማ ዘለዎ'ዩ ብምባል'ዩ ዝነጽጎ።

Image copyright ELSA CHYRUM
ናይ ምስሊ መግለጺ ቤተሰብ ኣቶ ጀርማኖ ናቲ ካብ ዝእሰር ንደሓር ብዛዕባ ኩነታቱ ዝኾነ ጭቡጥ ሓበሬታ ኣይረኸቡን

ፍልይቲ ልእኽቲ ኣብ ጉዳይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ወይዘሮ ሺላ ኪታሩዝ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ ኣብ ኤርትራ መሰል ሓሳብካ ምግላጽን ምጽሓፍን፡ መሰል እምነትን ሃይማኖትን፡ መሰል ምውዳብን ምእካብን፡ ከምዘይተመሓየሸ፡ ኣብ ቀብሪ እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝሞቱ ወዲ 93 ዓመት ሽማግለ ሓጂ ሙሳ ዝተሳተፉ ወዲ 13 ዓመት ዝርከቦም ብዙሓት ሰባት ከምእተኣስሩ ገሊጻ። ብሓፈሽኡ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ክትዘራረብ ጀሚራ እኳ እንተላ፡ ኣብታ ሃገር ዝተራእየ ግብራዊ ገስጋስ ሰብኣዊ መሰላት ዘይምህላዉ ተሓቢሩ።

እቶም ግዳያት ስድራ-ቤታት መሰኻኽር ከኣ ነዚ ሓቂ እዚ እዮም ኣረጋጊጾም።

መንእሰይ ሳምሶም ንኣብነት፡ ሓላፊ ጽገና ቴሌኮሚኒኬሺን ነበር ገዲም ተጋዳላይ ወላዲኡ ሰሎሞን ሃብቶም ኣብ ሰነ 2003 ካብ ኦፊሱ ብስራሕ ትደለ ኣለኻ ተባሂሉ ምስተወስደ ክሳብ ኣብቲ ዝተኣስረሉ ሸላ ዝመውት ብዘይ ዝኾነ ይኹን ክስን ንቡር መስርሕ ፍርድን ተኸሲሱ ን14 ዓመታት ኣብ ዝተኣስረሉ ካርሼሊ ብሃንደበታዊ ሕማም ዓሪፉ፡ ኢሎም ሬሳ ከምዝሃቡዎምን፡ ድሕሪ ሞቱ ኣብቲ ንብዙሓት ኣብ ማእሰርቲ ዝዓረፉ ዝንፈግ መቓብር ሓረበኛታት ቅበሩዎ ምባሎም ከምዘገርሞ ሓቢሩ።

ንሱ ኣቐዲሙ ካብ ሃገር ብምውጽኡ ኣብ ቀብሪ ኣቡኡ እኳ ክሳተፍ እንተዘይከኣለ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ከይተረፉ ኣብቲ ቐብሪ ከምእተሳተፉ ሓበሬታ ከምዝበጽሖ ብምግላጽ እቶም ኣብ ጽንኩር እዋን ቃልሲ ካብዞም ሕጂ ኣስርትን ተኣሰርትን ኮይኖም ዘለዉ ብጾት ተወሊዶም ብሓባር ተኾስኪሶም ዝዓበዩ መዛንኡ ነዚ ክውንነት ክምስክር ከቢድ ምዃኑ ብምሕባር፡ ንመጻኢ ሓላፍነት ህዝብን ሃገርን ኣብ መንእሰይ ወለዶ ስለዝወድቕ፡ ንኤርትራ ሃገረ ፍትሕን ርትዕን ንምግባራ ክሰርሕ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ቅድሚ'ዚ እውን ብዙሓት ግዳያት፡ ኣብ መጋባኣያ ሕቡራት መንግስታት ኒውዮርክን ጀነቫን ኣብ ገዛእ ነብሶምን ስድራ-ቤቶምን ዘጋጠመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ምስክርነቶም ኣቕሪቦም እዮም። ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተጋብአ መበል 72 ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ንኣብነት፡ክልቲኦም ተጋደልቲ ወለዳ ጴጥሮስ ሰሎሞን ኣስቴር ዮሃንስን ንዓመታት ዝተኣስሩዋ ሃና ጴጥሮስ፡ ብሰንኪ ሃይማኖታዊ እምነታ ን32 ኣዋርሕ ኣብ ኮንተይነር ዝተአስረት ወንጌላዊት ዘማሪት ሄለን ብርሃነ፡ ሓዉን ጓል ሓዉን ንዓመታት ዝተኣስሩዎ፡ ሓው ኣክቲንግ ሚኒስተር ዜና ዓሊ ዓብዱ ነበር፡ ኣቶ ሳልሕ ዮኑስ፡ ብኣካልን ቪድዮን ምስክርነቶም ምሃቦም ዝዝከር እዩ።