ግምታት ፕሪሚየር ሊግ ኢንግሊዝን ኤፍ ኤ ካፕን

ዩናይትድ ምስ ብራይተን Image copyright OLI SCARFF

ጸወታታት ፕሪሚየር ሊግ ኢንግሊዝን ኤፍ ኤ ካፕን ኣብዞም ቐዳመ ሰናብቲ ቐጺሎም ክካየዱ'ዮም። ኣየነይቲ ጋንታ ሸቶ ኣቑጺራ ነቲ ካልእ ተሕፍሮ? ግምታት ተንታኒ ስፖርት ቢቢሲ ማርክ ላዉረንሰን እነሆ።

ኣብ ሞንጎ ሸሞንተ ጋንታታት ዝካየድ ጸወታ ርብዒ ፍጻመ ኤፍ ኤ ካፕ ዋንጫ ንርአ። ኣብዚ ዙርያ ኤፍ ኤ ድጋም ጸወታታት ዘይካየዱ ኮይኖም እቲ ጸወታ ናብ ተወሳኺ ሰዓት እንተምሪሑን በዚ እንተዘይተዛዚሙን ናብ ፍጹም ቅላዕ ክሓልፍ ክግደድ'ዩ።

ቀዳም

ስዋንሲ ምስ ቶተንሃም

Image copyright BBC Sport

ሃሪ ኬን ንቶተንሃም ክስለፍ'ኳ እንተዘይኽኣለ ጋንትኡ ካብኡ ወጻኢ ክትረትዕ ከምእትኽእል ኣርእዩና'ዩ። እጃም ሰን ሄውንግ ሚን ግና ዝዝንጋዕ ኣይኮነን።

ስዋንሲ እንተኾነ'ዉን ካብ ቀረባ ግዘ ናብዚ ተርእዮ ዘላ ብቕዓት ዝነኣድ'ዩ። ኮይኑ ግና፡ ኣብዚ ጸወታ ካብ ቻምፒየንስ ሊግ ዝተሰናበተት ቶቶንሃም ኣድላይት ትመስለኒ።

ግምት፡ 0 - 2

ዩናይትድ ምስ ብራይተን

Image copyright BBC Sport

ዩናይትድ ናይ ነጥቢ ሕቶን ቅልዉላዉን'ኳ እንተዘይገጠማ፡ ኣብ ቻምፒየንስ ሊግ ዘርኣየቶ ብቕዓት ግና ንኡድ ኣይኮነን። ካብ ድሕሪት ተንሲእካ ምስዓር ሓዱሽ ዘይኮና ዩናትድ፡ ከምዚ ዓይነት ቑመና ምርኣያ ዘገርም'ዩ።

ነዚ ደገፍቲ ዩናይትድ ኣብዚ ጸወታ ዝሓሸ ነገር ትጽቢት ይገብሩ'ዮም እብል።

ግምት፡ 2 - 0

ሰንበት

ዊጋን ምስ ሳውዝሃምፕተን

ዊጋን ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ፍሉይ ብቕዓት ተርኢ ንዘላ ጋንታ ማንችስተር ሲቲ ካብ ጽዋዕ ኤፍ ኤ'ኳ እንተሰናበተት በዚ ዘብቅዕ ነገር ግና የለን።

ግምት፡ 0 - 2

ሌይስተር ምስ ቼልሲ

Image copyright BBC Sport

ከም ቶተንሃምን ዩናይትድን ቼልሲ'ዉን ካብ ቻምፒየንስ ሊግ ወጻኢ ኾይና'ያ። ኣብዚ ናይ ዉድድር ዘመን ዘለዋ ተስፋ ኤፍ ኤ'ዩ።

ናይ ሕዚ ዉጽኢት ናብ ሌስተር ዘዘምብል ክከዉን'ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።

ግምት፡ 2 - 1

ፕሪሚየር ሊግ

ቀዳም- ቦርንማውዝ ምስ ዌስትብሮም

ዌስትብሮም ኣብቲ ፕሪሚር ሊግ እትጸንሐሉ ተስፋ ዝተመናመነ ይመስል። ካብ ዝሓለፉ 30 ግጥማት 3 ጥራሕ'ያ ክትረትዕ ኽኢላ።

ብኣንጻሩ ንበርንማዉዝ እዚ ጸወታ ምስዓር ካብ ሓደጋ ምዉዳቕ ናብ ዝተረፈ ቐጠና ክወስዳ ይክእል'ዩ። ክሳኽዐላ'ዩ ኢለ ድማ ይሓስብ።

ግምት፡ 2 - 1

ክሪስታል ፓላስ ምስ ሃደርስፊልድ

ቅድሚ ሓደ ወርሒ እንተዝኸዉን ነይሩ ፓላስ ንላዕሊ፡ ሃደርስፊልድ ናብ ታሕቲ ክመጻ'የን ዝብል ምላሽ ምሃብኩ ነይረ። ሕዚ ግና ኩሉ ነገር ብተጻራሪ'ዩ።

መጉዳእቲ ዊልፍሬድ ዛሃ ንፓላስ ዓብዪ ክፈተት ፈጢሩላ'ዩ። ዛሃ ስለዝተመለሰ ግና ሕዚ ምንቕቓሕ ክተርኢ'ያ ኢለ ይግምት። ካብዚ ጸወታ ድማ እንወተዉሓደ ሓደ ነጥቢ ክትረክብ'ያ።

ግምት፡ 1 - 1

ስቶክ ምስ ኤቨርተን

ኤቨርተን ካብቶም ዝሓለፉ 15 ግጥማት ሓደ ጥራሕ'ያ ስዒራ። ኣብዚ ጸወታ ዝተፈለየ ነገር ክተርኢ'ያ ዝብል እምነት የብለይን።

ግምት፡ 1 - 1

ሊቨርፑል ምስ ዋትፎርድ

Image copyright BBC Sport

እዚ ዝሓዝናዮ ናይ ዉድድር ዓመት እንትፍልም ዝራኸባ ክልቲኤን ጋንታታት 3 መዓረ ነጥቢ ብምርካብ"የን ተፈላልየን። ኣብዚ ጸወታ እዚ ክድገም'ዶ ይኸዉን? ኣይመስለንን።

ከምቲ ዝተለመደ ኣጥቂዖም ዝጻወቱ እንተኾይኖም፡ ነጥቢ ክረኽቡ'ዮም።

ግምት፡ 2 - 0