ተንቀሳቓሲ ቴለፎን ብላክቤሪ ነጋዶ ዕጸ-ፋርስ ከምዘገልግል ኮይኑ ተመሓይሹ

ፋንቶም ሴኩር ቴሌፎናት Image copyright Phantom Secure

ንሕቡእ ርክባት ረብሓ ዝውዕሉ ዘመናዊ ቴሌፎናት ዘፍሪ ዓብይ ኩባንያ፥ ፍርያቱ በቶም ኣብ ዓለም አለዉ ዝበሃሉ ገበነኛታት ዕጸ-ፋርስ ኣብ ተግባር ብምውዓሎም ስራሕ መካየዲ እቲ ኩባንያ ክሲ ተመስሪቱዎ።

እዚ መሰረቱ ካናዳ ዝገበረ ኩባንያ ቴሌፎን (ፋንቶም ሴኩር) ብጣዕሚ ዘበናዎትን ምስጢራዊ ርክባት ንምክያድ ዝጠቅም ብላክቤሪ አመሓይሹ ዘምፀአ እንትኸውን 'ሲናሎኣ ካርቶል' ዝኣመሰሉ ብሰብ ወነንቲ መደንዘዚ መድሃኒት ትካላት ኣብ ግብሪ ውዒሉ ይብሉ እቶም መርመርቲ።

አመሪካውያን ሕቡእ ርክባት ቴሌፎን ኣብ ኢድ ገበነኛታት ውዒሉ ኢሎም ብምስግኦም ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ክወስዱ ናይ መጀመርተኦም እዩ ተባሂሉ።

ነባርነቱ ኣብ ሲያትል ዝኾነ ቪንሰት ራሞስ ዝበሃል በዚ ምኽንያት ቢሮ ፍትሒ አመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣውዒሉዎ።

ምስ ካልኦት ኣርባዕተ ርእሱ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ክሱ ኣዳሚፁ።

ቢቢሲ ዝምልከቶም ኣካላት ወነንቲ እቲ ኩባንያ (ፋንቶም ሴኩር) ከዘራርብ ዝገበሮ ፃዕሪ ኣይሰመረሉን።

እቲ ዝተመስረተሎም ክሲ ገበን ከምዘረደኦ፥ በዚ ክፈሽል ዘይኽእል (ኢንክሪፕትድ) ሕቡእ ርክባት ቴሌፎን ኣብ ዓለም መደንዘዚ መድሓሃኒት ንምዝርጋሕ ዝዓለመ ነይሩ ብል'ዩ።

እቲ ክሲ ገበን ድማ ክሳብ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ዘፍርድ እዩ።

ፋንቶም ሴኩር ዝተብሃለ ኩባንያ መፍረዪ ቴሌፎን ቀንዲ መኽሰሲኡ ነዚ ገበን ቀንዲ መተሓባበሪ ርክባት ኮይኑ ዘገልግል መሳርሒ ቴሌፎን ብምቕራቡ'ዩ።

እቲ ሓድሽ ዘመናዊ መሳርሒ ተመሓይሹ ዝቐረበ ብላክቤሪ ይኹን'ምበር ብላክቤሪ ኩባንያ ዓርሱ ኣብቲ ጉዳይ ተሳትፎ ይሃልዎ ኣይሃልዎ ዝተፈልጠ ጉዳይ የለን።

እቲ ኩባንያ ዛጊድ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ዝሃቦ መብርሂ'ውን የለን።

እዞም ሓደሽቲ ቴሌፎናት ካብ 2 ሽሕ ክሳብ 3 ሽሕ ዶላር ዝሽየጡ ኾይኖም ክሳብ ሐዚ ኣብ ዓለም ልዕሊ 20ሽሕ ቴሌፎናት ኣብ ዕዳጋ ከምዝወዓለ ግምታት ኣሎ።

ከም ኦቆፃፅራ ኣውሮፓ ብ2016 ሰይድ ፋሩክ ዝተብሃለ ናይ 14 ሰባት ህይወት ብጅምላ ዝቐዘፈ ውልቀሰብ ኣይፎን ተጠቃሚ ዝነበረ እንትኸውን፥ ትካል ስለላ አመሪካ (ኤፍ ቢ ኣይ) ንኣፕል እቲ ብምስጢር ዝተዓፅወ ቴሌፎን ንምኽፋት ዘቕረበሉ ሕቶ እቲ ኩባንያ ከይተቐበሎ ተሪፉ።

እዚ ዛንታ ብዴብ ሊ እዩ ተጻሒፉ