ኢትዮጵያዊት ክለብ ወላይታ ዲቻ ንግብጻዊት ክለብ ዘማልክ ሲዒራታ

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ወላይኣ ዲቻ ንመጀርታ እዋን'ያ ኣብ ዋንጫ ኮንፈደሬሸን ኣፍሪቃ ትሳተፍ ዘላ

ወላይታ ዲቻ ናይ ኢትዮጵያ ንዉሩይቲ ግብጻዊት ክለብ ዘማልክ ኣብ ሜዳኣ ብፍጹም ቕላዕ 4 - 3 ሲዒራ ካብ ዋንጫ ኮንፈደሬሽን ኣፍሪቃ ገሊፋታ ኣላ።

ሓሙሽተ ግዜ ጎብለል ኣፍሪቃ ዝኾነት ዘማልክ በታ ንመጀመርታኣ ኣብ ዉድድር ክለባት ኣፍሪቃ ትሳተፍ ዘላ ወላይታ ዲቻ'ያ ተሳዒራ ዘላ።

ወላይታ ዲቻ ናብ ዝቕጽል ግጥማት ኣውዲቕካ ምሕላፍ ዋንጫ ኮንፈደሬሽን ብምሕላፍ ምስ ሓንቲ ካብ'ተን ካብ ቻምፕዮንስ ሊግ ኣፍሪቃ ዝተገለፋ ክለባት ክትራኸብ'ያ።

እዛ ኢትዮጵያዊት ክለብ ኣብ ቀዳማይ እግሪ 2 - 1 ተዓዊታ'ያ ናብ ግብጺ ተጓዒዛ ኔይራ። ዋላ'ኳ ኣብቲ ብሰንበት ኣብ ዝተኻየደ ጸወታ ዘማልክ 2 - 1 እንተሰዓረት፡ ዉህሉል ዉጽኢት ናይ ክልቲኡ እግሪ 3 - 3 ብምዃኑ፡ ክልቲአን ጋንታታት ብፍጹም ቕላዕ ክፈላለያ ናይ ግድን ኮይኑ።

ኣብ ቅድሚ ደገፍቶም ናይ ምርባጽ መንፈስ ዘርኣዩ ተጻወትቲ ዘማልክ ክልተ ካብ'ተን ዝተዋሃበኦም ፍጹም ቅላዓት ሲሒቶም ብወላይታ ዲቻ 4 - 3 ተሳዒሮም ካብቲ ዉድድር ክግለፉ ተገዲዶም ኣለዉ።