ውሩይ ጊታሪስት ሰላም ስዩም

ሰላም ስዩም ወልደማርያም - ህይወቱን ሙዚቃኡን Image copyright Selam

ታሪኽ ናይ 45 ዓመታት ብክልተ-ሰለስተ ገጻት ክግለጽ ፍትሓዊ ኣይኰነን። ሰላም ስዩም ወልደማርያም ኣብ ዘመናዊ ሙዚቃ ኢትዮጵያን ኤርትራን መሪሕ ተራ ዝተጻወተን ጌና ዚጻወት ዘሎን ጊታሪስት'ዩ።

ንኣይቤክስ ባንድ ኰነ ሮሃ ባንድ እግሪ ዘትከለ ክኢላ ጥራሕ ዘይኰነስ ከም ጥላሁን ገሰሰ፣ ኣለማየሁ እሸቴ፣ መሓሙድ ኣሕመድ፣ ብዙነሽ በቀለ ዝኣመሰሉ ምስ ብዙሓት ዉሩያት ስነ-ጥበባውያን ዝሰርሐን ዓቢ ተራ ዝተጻወተን ሙዚቀኛ'ዩ።

እቲ ዘገርም ነገር ኣበርክቶኡ ኣብቲ ቀዳማይ ወለዶ ተደሪቱ ኣይተረፈን።

ምስ'ቶም ስዒቦም ዝመጽኡ ከም በዓል ኣስቴር ኣወቀ፡ ንዋይ ደበበ ተዋሲኡ'ዩ፣ ምስ ተዲ ኣፍሮ'ውን ሓቢሩ ዜማ ቀሪጹ'ዩ።

ቅዲ ሙዚቃ ሰላም፡ ፍሉይ፣ ልዙብ፣ ራሓ ዝህብን ኣዝዩ ምዕቡልን'ዩ። ቅድን ድምጺ ጊታርን ሰላም ንምርዳእ ሙዚቃ በዓል ወስ ሞንጎመሪ፡ ጆርጅ በንሰን፡ ቢቢ ኪንግ፡ ሳንታና ከምኡ'ውን ካልኦት ናይ ጊታር ሰብ ሞያ ምፍላጥ የድሊ፡ ተኸቲሉዎም ስለ ዝዓበየ።

ብዉሑዱ ንዝኽሪ ዓርኩ ተኽለ ተስፋዝጊ ዝተጻወቶም ዜማታት ምስማዕ የድሊ። "ከምድላየይ"፡ "ፍቕረይ ተለመኒ"፡ "ንንገሮም ንስድራና" ዝኣመሰሉ ዜማታት ምጥቃስ ይከኣል።

እዚ ኣብ ምሉእ ዓለም ዑደት ዝገበረ ስነ-ጥበባዊ፡ ምስ ኣህጕራውያን ሙዚቀኛታት ኰይኑ ብዙሕ ሰሪሑ፡ ብኽእለቱ ኸኣ ኣድናቖት ኣትሪፉ። ሕጂ ኣብ ልዕሊ'ቲ ብቐጻሊ ዝሰርሓሉ ዘሎ ሞያ፡ ንመዘከርታ ኣቦኡ፡ ሓደ ሓዲስ ናይ ሙዚቃ ፕሮጀክት ጀሚሩ ኣሎ።

"ጽልዋ ኣቦይ ዓቢ'ዩ"

ኣቦ ሰላም፡ መምህር ስዩም ወልደማርያም፡ ዓይነ-ስዉር'ዮም ነይሮም። ግናኸ የማነይቲ ኢዶም፡ ንፍዕቲ በዓልቲ ቤት ስለዝነበረኦም ስንክልንኦም ንድሕሪት ኣየትረፎምን፡ ብኣንጻሩ ብኹሉ መዳዮም ቅቡል፡ ሕፉርን ክቡርን መምህር ኮኑ።

ኣቶ ስዩም፡ ናይ ዓይነ-ስዉራን ቤት-ትምህርቲ መስራቲ፡ ሓላፊ፡ ኣካያዲ'ዮም ነይሮም ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን'ኳ ድኣ።

Image copyright Selam

ኣብ መጀመርያ ሓምሳታት፡ ሓደ መዓልቲ፡ ኣቦይ ስዩም ናብ ጃንሆይ ቀሪቦም ኣቤቱታኦም ብዛዕባ ኣድላዪነት ምህናጽ ቤት ትምህርቲ ዓይነ-ስዉራን ሕቶ ኣቕረቡ። ጃንሆይ ሰምዑዎም'ሞ፡ ብ1952 " ቤት ትምህርቲ መርሃ ዕዉራን " ተኸፍተ።

ኣቦይ ስዩም መንፈሳዊ ስለ ዝነበሩ ኣብ ታሪኽ ዕብየት ወንጌላዊት ቤተ-ክርስትያን (ኣስመራ) ይዅን መካነ-የሱስ (ኣዲስ ኣበባ) ዓቢ ተራ ዝተጻወቱ ሰብ'ዮም።

ብተወሳኺ ንፉዕ ዘማራይን ሙዚቀኛን'ዮም ነይሮም። ንሶም ዝደረሱዎም መዛሙር፡ ኣብ መዝሙረ-ሰላም ይርከቡ። ብተወሳኺ በቶም ዘቕረቡዎም ሓደስቲ ዘመናውያን መዛሙር ኣብ ብዙሓት ምእመናን፡ ብሕልፊ'ኳ ኣብ መንእሰያት፡ ጽልዋ ገይሮም'ዮም። ንዕኦም ምዝካር ማለት ነቶም ብማንዶሊኖ እናወቕዑ ዝዝምሩዎም ዝነበሩ መዛሙር ምዝካር ማለት'ዩ።

ምስቲ ዅሉ ዝነበሮም ፍቕርን ዓቕሚ ምጽዋት ሙዚቃን ግን ንኣታሓሳስብኦም ሓንቲ ማሕለኻ ነበረታ - ሙዚቃ ንምስጋና እግዚኣብሄር እንተ ዘይኰኑ ንኻልእ ኣየፍቅዱን ነበሩ። ነዛ መሰናኽል እዚኣ ክሰግራ ዓቐብ ኯእናቶ ዝጸንሐ ሰላም፡ እናጎበዘ ምስ ከደ ነቲ ናይ ሙዚቃ ሞያኡ ንኽተሓሓዞ ኣይጸገሞን።

"ኣተዓባብያይ መሰረት ህይወተይ"

ንእስነትን ኣተዓባብያን ሰላም ስዮም ካዛንችስ (ኣዲስ ኣበባ) እዩ ዝጅምር። "ካብ ሽድሽተ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣነ መበል ራብዓይ እየ" ይብል ሰላም። ኣብ ታሪኽ ንእስነቱ ህላወን ግዙፍነትን ሃይለማርያም ገብረጊዮርጊስ ዝተባህለ ዓርኩ ጐሊሑ ይርአ።

ሃይለማርያም ዓይነ ስዉር ስለ ዝነበረ ኣብ ቀጽሪ እቲ ኣብ ካዛንችስ ዝርከብ ዝነበረ "መርሃ ዕዉራን ትምህርት ቤት" እንትነብር ሰላም ከኣ ኣቦኡ ኣካያዲ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ስለ ዝነበሩ ኣብቲ ቀጽሪ'ቱ ዩ ተወሊዱን ዓብዩን። ስለዚ ሰላምን ሃይለማርያምን ብሓደ'ዮም ዓብዮም።

ዛንታ ሃይለማርያም ነብሱ ዚኽኣለ ዛንታ'ዩ - ኣብ ሙዚቃ ዓለም ሓያል ኣስተዋጽኦ ዝገበረ ሰብ'ዩ። ኣብ ቤት ትምህርቲ "ኣብርሃ ባህታ" - ቤት ትምህርቲ ዓይነ ስዉራን ኣስመራ - መምህር ናይ ሙዚቃ'ዩ ነይሩ።

ንምዃኑ፡ ሃይለማርያም ንሳባ ባንድ (በዓል ተኽለ ተስፋዝጊ ዝነበሩዋ ባንድ) ዝመስረተ ስነ-ጥበባዊ'ዩ። ኣብዚ እዋን'ዚ ሃይለማርያም ኣብ ብራውን ሽቫይግ ዝተባህለ ከተማ ጀርመን'ዩ ዝነብር።

ዳኒኤል ሰንሲንግ ዝበሃል ኣሜሪካዊ'ውን ኣብ ህይወት ሰላም ፍሉይ ተራ ተጻዊቱ'ዩ። ስድራ ቤት ዳኒኤል ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዓይነ ስዉራት ይሰርሑ ስለ ዝነበሩ፡ ሰላምን ዳኒኤልን መዓልታዊ ይራኸቡ ነበሩ። ዳኒኤል ንሰላም ምስ ሙዚቃን መዛሙር ኣሜሪካውያንን ጥራሕ ዘይኰነስ ምስ ባህልታትን ልምድታትን ኣሜሪካ'ውን ኣፋሊጡዎ'ዩ።

Image copyright Selam

"ብሓጸርቲ መግለጺ ሓሳባት ተጠቒመ ንእስነተይ ኰነ ኣተዓባብያይን ክገልጾ እንተድኣ ዀይነ መንፈሳዊ ህይወት ስድራይ ኣብ ቅድሚት ክሰርዖ እኽእል" ይብል ሰላም። ወሲኹ ድማ "ኣቦይን ኣደይን ንዓይን ንኣሕዋተይን ብጽቡቕ'ዮም ኣዕብዮምና።

ኣብ ዉሽጢ ቤትና ብሰላምን ህድኣትን ጸሎትን ትምህርትን ኢና ንመላለስ ዝነበርና።"

ሰላም መልዕሎ ህይወቱ ተመሊሱ ክርእዮ ኸሎ ኣዝዮም ጦብላሕ ዝብልዉዎ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ዘሕለፎ ንእስነቱ'ዩ።

ህይወቱ ኣብ ክቢ "መርሃ ዕዉራን ትምህርት ቤት" ከምኡ'ውን "ኣብራሃ ባህታ" - ቤት ትምህርቲ ዓይነ ስዉራት (ኣብ ኣስመራ) - ይዘውር ከም ዝነበረ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ቀጽሪ መካነ-የሱስ (ኣዲስ ኣበባ) ኰነ ወንጌላዊት ቤተ-ክርስትያን (ኣስመራ) ዝተማህሮም መዛሙርን መንፈሳዊ ትምህርትን ይዝከርዎ።

ብሓጺሩ፡ ሰላም ኣብ ሞንጎ ሚስዮናውያን፡ መዘምራን፡ መምህራን ስለ ዝዓበየ ድማ ናይ ሙዚቃ ክኢላ ንክኽውን መሰረታት ህይወቱ ኰንዎ።

እቲ ክርሳዕ ዘይብሉ ሸነኽ ህይወቱ ግን - እኳ ድኣ ኣዝዩ ደራኺ - ዛንታን ጽልዋን ናይ ቀረባ ቤተ-ሰቡ'ዩ። ሓወቦታቱ ከም ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም ዀነ ኣሞታቱ ነናቶም ታሪኽ ዘሎዎም ፍሉጣት መምህራን ከምኡ ኸኣ ኣብ ናይ ዘመናዊ ሙዚቃ ዓለም ዝነጥፉ ሰባት ነበሩ።

ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣስመራ

"ብ1965 ንኣስመራ ምስ ገዓዝና ዅሉ ተሓደሰኒ" ይብል ሰላም። ኣብቲ ዘበን'ቲ ህይወት ኣብ ኣስመራ ካልእ'ዩ ነይሩ፡ ምናዳ ንኣፍቀርቲ ሙዚቃ።

ኣብ ኣስመራ ብቃኘው ስተሽን ዝፍለጥ ዓቢ መደበር ወትሃደራት ኣሜሪካ ነበረ። ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣሜሪካውያን ስለ ዝነበሩ ኣበየ ቦትኡ ናታቶም ኮማት ነይሩዎም፡ እንተላይ ናታቶም ረድዮን ተለቪዥንን። ከምኡ'ውን ብኣሽሓት ዝቕጸሩ ዜጋታት ጥልያን ነይሮም'ዮም።

ህላወ ወጻእተኛታት ኣብ መንእሰያት ኣስመራ ዓቢ ጽልዋ ነይሩዎ።

ሰላም ምስ ሙዚቃ ምዕራባውያን ብኡ-ንብኡ ተፋለጠ - ብዓል ጂሚ ሀንድሪክስ፡ ኣውራ ግን ደርፍታት ቢትልስ ንልቡ ሰለቦ። "ዳርጋ ኣብ ኤውሮጳ ወይከኣ ኣሜሪካ ዝነበርኩ ዀይኑ ይስምዓኒ ነይሩ ... ኣሰር ሙዚቃ ቢትልስ ክኽተል ከምዚ ትማል ኰይኑ ይስምዓኒ" ይብል።

መናድቕ መደቀሲ ክፍሉ ብኣሳእል ጆን-ፖል-ጆርጅ-ሪንጎ ፡ ኣባላት ቢትልስ፡ መሊኡ ከም ዝነበረ ይዝክር።

Image copyright Selam

ሰላም ምስ ከምኡ ዘኣመሰሉ ኣፍቀርቲ ሙዚቃ ዀይኑ ኣብ ኣስመራ ሓንቲ ኲንተት (ብሓሙሽተ ኣባላት ዝቘመት ጕጅለ ሙዚቃ) ኣቚሙ ኣብ መንፈሳዊ መዛሙር ዘትኰረ ሙዚቃ ክጻወት ጀመረ።

እታ ጕጅለ ኣብ ወንጌላዊት ቤተ-ክርስትያን ፍናን ረኺባ ዳርጋ ሰንበተ-ሰንበት ኣብ ቅድሚ ምእመናን ምርኢት ተቕርብ ነበረት።

እቲ ናይ ሽዑ ሃዋህው ብርቂ'ዩ ነይሩ። ንሰላም ስዮም፡ ምስ በዓል ብርሃነ ኤልያስ ሃብትዝጊ፡ ምስግና ባህታ፡ ምሕረትኣብ ምሕጹን ከምኡ'ውን ኣልማዝ በርሀ ዀይኑ ብድምጺ ጊታር ተሰንዮም ብዝተወሃሃደ ድምጺ ክዝምሩ ንዝረኣየን ዝሰምዐን ሰብ ይምስጥ ነበረ።

"ብዙሓት መንእሰያት ናብ ቤተ-ክርስትያን ክውሕዙ ጀመሩ - መዛሙርናን ሙዚቃናን ስለ ዝሰሓቦም" ይብል ሰላም። "ምስ ጕጅለ ኲንተት ከሎኹ ኣብ ህይወተይ ዘጓነፈትኒ ሓንቲ ኣዝያ እተሕዝነኒ መዓልቲ ግን ኣላ" ይብል ሰላም።

እቲ ምዕቡል ሙዚቃ ናይ'ታ ጕጅለ ዝዓጀቦ ኡለ ዝተባህለ ሽወደናዊ ድማ ተሓወሶም - ከም ሃራም ዘመናዊ ከበሮ። እቲ ዓቕሚ ትልሂት ናይታ ጕጅለ ኸኣ ክብ በለ። ይዅን'ምበር እቲ ምዕባሌ'ቲ ጸገም ፈጠረሎም።

ሓደ ሰንበት እቲ ኣደራሽ ቤተ-ክርስትያን ብመናእሰይ ክሳብ ደገ መሊኡ፡ ኣቦታትን ኣደታትን በቦትኦም ምስ ሓዙ ቅዳሴ ተጀመረ። እቶም ምእመናን ጸሎት ጀመሩ፣ ከምቲ ልሙድ ባህሊ ድማ ብፒያኖ ተሰንዮም ሰለይ እናበሉ ሓደ ክልተ መዛሙር ዘመሩ።

ቅዳሴ ብጽቡቕ ቀጸለ፣ ብድሕሪኡ ኸኣ ተራ ናይ በዓል ሰላም ኲንተት በጽሐ። ሰላም ምስ ብጾቱ ብጊታርን ከበሮን ተሰንዮም መዛሙር ኣቕረቡ።

ብዙሓት ካብቶም እኩባት ነቲ ምርኢት ፈተዉዎ፡ ምናዳ መንእሰያት። እቶም እቲ ዝጸንሐ ባህሊ ሒዞም ዝጐዓዙ ዝነበሩ ምእመናን ግን ኳሕ-ኳሕ፡ ሻሕ-ሻሕ ሰሚዖም ስለ ዘይፈልጡ ነቶም ብባንድ መልክዕ ዝቐረቡ ሓደስቲ መዛሙር ኣይተቐባበሉዎምን፣ ገጾም ከኣ ጸወጉ።

ጥርዓን ኣብ መራሕቲ ቤተ-ክርስትያን በጺሑ ኣበርክቶ ዘመናዊ መዛሙር ናይ በዓል ሰላም ተኾልፈ።

"ኣብ ህይወተይ ከምኡ ገይሩ ዘሕዘነኒ ነገር ኣይነበረን" ይብል ሰላም። ኣይጸንሐን ግን፡ ናብ ዓለማዊ ሙዚቃ'ዩ ዝሰገረ።

እዚ ዅሉ ክኸውን ሃይለማርያም ገብረጊዮርጊስ ኣብ ኣስመራ ድሮ ሳባ ባንድ መስሪቱ ስለ ዝነበረ ሰላም ምስኡ ግዜኡ ከሕልፍ ጀመረ። ሳባ ባንድ ኣብ ፒካዲሊ ዝበሃል መሳዕስዒ ክለብ፡ ምስ በዓል ተኽለ ተስፋዝጊ፡ ይጻወቱ ነይሮም።

ሰላም፡ ሓጺር ተሞኵሮ ድሕሪ ምቕሳም ናብ ንኣዲስ ኣበባ ተመልሰ።

ብ1973፡ ሳባ ባንድ፡ ስማ ን "ብላክ ሶውል ባንድ" ለዊጣ ንኣዲስ ኣበባ ንዑደት ኣብ ዝመጸትሉ እዋን፡ ሰላም ተጸንበሮም። ኣብ ፍርቂ ሰብዓታት ኣብ ተለቪዥን ኢትዮጵያ፡ ንበዓል ኣለማየኡ እሼቴ እናሰነዩ፡ ይርኣዩ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ስድራቤቱ ኣብ ኣስመራ ዀይኖም ንሰላም ኣብ ተለቪዥን ምስ ረኣይዎ እቲ ጕዳይ ናብ ኣቦይ ስዩም በጽሐ። ተወሳኺ ጸገም ከኣ ዀነ።

እቲ ናይ ሽዑ ኵነታት ግን ሰላም ህይወቱ ብክእለቱ (ጊታር ብምጽዋት) ንክሰርዕ ከም ዝወስን ገበሮ።

"ኣያ ጊታር ኢትዮጵያን ኤርትራን"

ኣብ 70ታት ዝነበረ ኵነታት ምስ ምትእትታው ዘመናዊ ሙዚቃ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ይራኸብ'ዩ። ብሓደ ሸነኹ ምስቲ ናይቲ ዘመን ናዕብን ዉግኣትን ኣጻሚድና ክንርእዮ ንኽእል፣ በቲ ካልእ ሸነኹ ኸኣ ብዓል ሰላም ስዩም ምስ ከምኡ ዝኣመሰሉ ሙዚቀኛታት ዘካይድዎ ዝነበሩ ዘመናዊ ሙዚቃኣዊ ምዕባለ ክተኣሳሰር ይኽእል።

እቲ እዋን፡ ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ፡ ብድምጺ ሙዚቃ "ኣስመራን" "ኣዲስ-ኣበባን" ፈላሊኻ ክረአ ይከኣል። ይኹን'ምበር ክልቲአን ከተማታት ብሙዚቃ ኣዝየን'የን ዝትኣሳሰራ ነይረን - ከምኡ'ውን ብኻልእ ነገራት ከም ዲሞግራፊያ ዀነ ዝወራረሱ ባህልታት።

ኣብ ኣስመራ ኣስተዋጽኦ ማሕበር ትያትር ኣስማራ (ኣውራ'ኳ ኣብ ስሳታት ተራ ናይ በዓል ተወልደ ረዳ)፡ ኡምበርቶ ባርቡይ (እቲ ህቡብ ዓይነ ስዉር መምህር ዘመናዊ ሙዚቃ) ከምኡ'ውን ደቂ ወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን ዓቢዪ ኢዩ።

ሰላም ስዮም መሰረት ሙዚቃኡ ካብ ወንጌላዊት ቤተ-ክርስትያን መካነ-የሱስን እዩ ዝምንጩ፡ ጸኒሑ ግን ተመኵሮታት ሳባ-ባንድ፡ "ብላክ ሶውል ባንድ"፡ ኣይበክስ ጸኒሑ ኸኣ ሮሃ ባንድ ወሰኸሉ።

ኣብቲ እዋንቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ናይ ጊታር ዓለም ግዙፍ ተራ ዝነበሮም ደቂ-ኣስመራ ነይሮም'ዮም። ብዓቢኡ ተወልደ ረዳ ነይሩ - ምስ ክራር ጸሃይቱ በራኺ ተወሃሂዱ ክልሀ ንዝሰምዐ ዘይርሳዕ ናይ ድምጺ ስምብራት ገዲፉ'ዩ።

ህላወ ተኽለ 'ህውከት' ኣድሓኖም ዕዙዝ'ዩ ነይሩ። ህውከት ኣብ ዜማታት ጌታቸው ካሳ - ክልተ ቅዳሓት ትዝታ (ብቅልጡፍን ብቀስታን) - ብኣደናቒ ክእለቱ ስም ዘትረፈ ናይ ጊታር ክኢላ'ዩ ነይሩ።

ብዙሕ ሰብ ዘይፈልጦ ሓያል ኣህጕራዊ ሙዚቃ ኣብ ኣምባሳዶር ሆቴል ዝጻወት ዝነበረ "ብርሃነ 'ሞኪ' ኣንቶኒኒ" ዝበሃል ክኢላ'ውን ነይሩ'ዩ። ብርሃነ ጸወታ ጊታር ብቅዲ ናይ ኣመሪካውያን ሮክ ባንድስ ዝጻወት ዝነበረ መንእሰይ'ዩ ነይሩ። ብዝተፈልለዩ ክእለታቱ - ኣውራ ብጊታር፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ኦርጋንን ዘመናዊ ከቦሮ ብዙሓት ደቂ እቲ ዘመን'ቲ ይዝክርዎ'ዮም።

ክእለት ሰላም ግን ፍልይ ዝበለ'ዩ ነይሩ። ሰላም ኣብ ከባቢኡ ብክእለቱ ጥራሕ ዘይኰነስ ብዘለዎ ስነ ስርዓት፣ ቁዉም ነገር፣ ተወፋይነት፣ ህድኣትን ትሕትናን ዘርክቦ ኣይነበረን።

Image copyright Selam

ንሰላም ስዩም ዝፈልጥ ሰብ ብቅጽበት ምስ ኣይበክስ ዝተባህለ ባንድ'ዩ ዘተኣሳስሮ። ኣይበክስ ባንድ ኣብ'ቶም ዝዓበዩ ሆቴላት ኣዲስ ኣበባ - ከም ራስ ሆቴል ዘኣመሰሉ - እዮም ዝጻወቱ ነይሮም።

እቲ እዋን'ቲ ደርጊ ኣብ ስልጣን ዝመጸሉ፡ ብዙሕ ሓጸልጸል ዝነበረሉ እዋን'ዩ ነይሩ። እቲ ኣዝዩ ዉዕዉዕ ዝነበረ ናይ ሃዋህዉ ኣዲስ ኣበባ ክትንከፍ ጀሚሩ፡ ተማሃሮ ኣብ "እድገት በህብረት" ዝበሃል ወፈራ ተጸሚዶም ኤርትራውያን ድማ ገሊኦም ኣብ ሜዳ ኤርትራ ክስለፉ ገሊኦም ድማ ንሱዳን ዝሰገርሉ እዋን'ዩ ነይሩ።

እቶም ክልተ ወጻእተኛታት ኣባላት ናይቲ ባንድ ኢስማዒል ጂንጎ (ኬንያዊ)/ ኣንድርው ዊልሶን (ዚምባብወ) እቲ ዝነበረ ፖለቲካዊ ኵነታት ኢትዮጵያ ስለ ዘይተሰማምዕም ንዓዶም ምስ ተመልሱ ሰላም ዓቢ ተራ ክጻወት ጀመረ። ጸኒሑ ድማ መራሕ ባንድ ዀነ።

ኵነታት ይለወጥ'ምበር ህቡብነት ናይ ብዓል ማህሙድ ኣህመድ ኣብ ጥርዚ ዝበጽሓሉ እዋን'ዩ ነይሩ። ሰላም ምስ ኣይበክስ ባንድ ዀይኑ ኣብ ዜማታት ማህሙድ ኣህመድ ዝገበሮ ኣስተዋጽኦ ብዘመናዊ ሊድ ጊታር ጸወታ ኣይርሳዕን'ዩ።

ኣይበክስ ባንድ ብሰንኪ እቲ ሽዑ ዝነበረ ቅልውላው ክበታተን ሰላም ነቶም ዝተረፉ ኣባላት ሒዙ ንሮሃ ባንድ ኣቘመ፣ ስለዚ መቐጸልታ ናይ ኣይበክስ ባንድ'ዩ ክበሃል ይከኣል። ሰላም ከኣ ኣብ ክልቲኦም ባንድታት መስራቲ ተራ ጥራይ ዘይኰነስ መሪሕ ተራ'ዩ ተጻዊቱ።

ብሓጺሩ፡ ኣብ 70ታትን 80ታትን ዘመናዊ ሙዚቃ ኢትዮጵያ ብኣይበክስን ሮሃን ባንድ'ዩ ተዓብሊሉ ነይሩ። ዝተፈላለዩ ደረፍቲ ናይቲ ዘመን ብምስናይ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ዜማታት'ዮም ኣወሃሂዶምን ቀሪጾምን።

እዚ ኣብ ከባቢ ኣምስት ኪሎ ዝዓበየ መንእሰይ፡ ኣብ ኣስመራ ኣብ ሙዚቃ ዓለም ንሸውዓተ ዓመታት ተጻዊቱ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሱ ንጊታር ከም ሞያኡ ዝተኻናኸነ ሰብ'ዩ።

ሙዚቃ እናተጻወተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ተመዝጊቡ ትምህርቱ ምጥንቃቑ ንፍጹምተኝነት ዚዳረግ ሰብ ምዃኑ'ዩዘርኢ።

ሰላም ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ምስ ገዓዘ ኣብ ብዙሓት ናይ ሙዚቃ ፕሮጀክትታት ተሳቲፉ'ዩ፣ ዝዓበየሉን ዝሰርሓሉን ሙዚቃ ኣማዕቢሉ ምስ ኣሜሪካውያን ከፋልጦ ክኢሉ'ዩ። ሞያኡ ጌና ይሰርሓሉ ኣሎ።

ብሓቂ ዘይሕለሎ፡ ማዕቢሉ ንኻልኦት ዘማዕብል ሰብ!

ተወሳኺ ዛንታ