ኣፍሪቃዉያን መራሕቲ ኣብ ምጥያስ ሰፊሕ ኣህጉራዊ ነፃ ዞባ ንግዲ ስምምዕ ኣካይዶም

ሰራሕተኛታት ፋብሪካ ዓለባ - ደቡብ ኣፍሪካ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ኣፍሪካ ዝርከባ ታሕተዎት ደረጃ ኣፍረይቲ ትካላት ክጠናኸራ ኣብ ምግባር ተስፋ ዝሓዘ ስምምዕ

መራሕቲ 44 ሃገራት ኣፍሪቃ ካብቶም ኣብ ዓለም ዓበይቲ ዝበሃሉ ነፃ ዞባ ንግዲ ሓደ ዝኾነ ኣብ ኣፍሪቃ ንምፍጣር ዘኽእል ስምምዕ ፈሪሞም።

እቲ ስምምዕ ኣብ ሩዋንዳ ኪጋሊ ይካየድ ኣብ ዘሎ ኣኼባ'ዩ ተፈሪሙ።

ኣብ ውሽጢ ሽድሽተ ኣዋርሕ ተግባራዊ ዝኸውን ስምምዕ ንኣስታት 1.2 ቢልዮን ኣፍሪካውያን ሃፍቲ ከፍርዩ ከምዝሕግዝ ተስፋ ተገይሩሉ።

ንናይጄርያ ሓዊሱ 10 ሃገራት ነቲ ስምምዕ ኣይተቐበላን። ዝፈረማ ሃገራት'ውን ኣብ ባይቶታት ሃገራተን ኣቕሪበን ክፀድቕ ክገብራ እየን።

ነፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካ (CFTA) ኣብ ከም ታሪፍን ኮታ ኣታዊ ንግድን ዝበሉ ንዘጋጥሙ ፀገማት ከምዝፈትሕ ይእመነሉ። ኣብ ሞንጎ ሃገራት ድማ ነፃ ዝኾነ ዋሕዚ ንግድን ኣገልግሎታትን ንኽህሉ ይገብር።

ብደረጃ ሓሳብ ድማ ንግዲ፣ ዕቤትን ዕድላት ስራሕን ከምዘጠናኽር ይእመነሉ።

ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋቂ ንክውንነት እቲ ስምምዕ ፖለቲካዊ ተወፋይነት ከምዘድልይ ሓቢሮም።

ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኣፍሪካ

ኣብ ሞንጎ ሃገራት ኣፍሪካ ዘሎ ንግዳዊ ርክባት ዝተሓተ እዩ። ፀብፃብ ሮይተርስ ከምዝሕብሮ ምስቲ ምስ ደቡብ ምብራቕ እስያ ዘሎ (25 ሚኢታዊት) ክነፃፀር ከሎ፡ ኣብ ሞንጎ ሃገራት ኣፍሪካ ዘሎ ሓፈሻዊ ንግዲ 10 ሚኢታዊት ጥራሕ ይበፅሕ።

ማቲው ዴቪስ፡ ኣብ ቢቢሲ ኣፍሪካ ኢዲተር ፀብፃብ ቢዝነስ ከምዝብሎ እቲ ነፃ ንግዲ እንተተጣይሹ ዝተወደበ ኣሰራርሕ ቀረፅ፣ ሓበራዊ ዕዳጋን ሓደ ዓይነት መተዓዳደጊ ገንዘብን ንኽህሉ ልክዕ ከም ሕብረት ኣውሮፓ ዝበለ ርክብ ንምፍጣር ተስፋ ክህልዎ'ዩ።

እዚ ንክኸውን ግን ብዙሓት ማሕለኻታት ክስገሩ ከምዘለዎም ይሕብር።

እቲ ሓደ ማሕለኻ ትሑት ዓቕሚ ምፍራይ ክኸውን ከሎ ካልኣይ ድማ ንኸም ናይጄርያ ዝበላ ዓብዪ ቁጠባ ዘለወን ሃገራት ናብቲ መድረኽ ምምፃእ ምኽኣል'ዩ።

ሕብረት ኣፍሪካ፡ እተን ዘይፈረማ ሃገራት ኣብ ከይዲ ግዜ ኣሚነን ክፍርማ እምነቱ ገሊፁ'ሎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት