ኲናት ሶርያ: ኣብ ምብራቕ ከተማ ጎታ ዝነበሩ ዓመጽቲ ወጺኦም

እቶም ዓመጽትን ስድርኦም ከጉዓዕዛ ዝመጻ መካይን Image copyright AFP

ዓመጽቲ ሶርያን ስድርኦምን ምስ መንግስቲ ብዝበጽሑዎ ስምምዕ ብመንግስቲ ካብ ዝተኸበበት ቑልፊ ከተማ ምብራቕ ጎታ ለቒቖም ምዉጻእ ጀሚሮም።

ቴሌቪዥን እታ ሃገር ከምዝሓበሮ 27 ዓመጽትን 182 ሲቪላትን ካብ ሃራስታ ወጺኦም ኣለዉ።

ገለ 1500 ተዋጋእቲ ኣህራር ኣል- ሻም፡ ከምኡ'ዉን 6000 ሲቪላት ካብ ሃራስታ ናብ ናብ ሰሜናዊ ኢድሊብ ክጉዓዓዙ'ዮም።

እዚ ናይ ምልቃቕ ስምምዕ ዓመጽቲ ምስ ደገፍቲ መንግስቲ ንፈለማ እዋን ዝበሕጹዎ ስምምዕ'ዩ።

ተቖጻጻሪ ጉጅለ ከምዝብሎ፡ ብነፈርትን ካልኦትን ዝፍጸሙ መጥቃዕታት 1500 ስቪላት እንትቐትሉ ካልኦት ከባቢ 50 ሽሕ ኣመዛቢሎም'ዮም።

ሃራስታ ተቖጻጺሩ ዝጸንሐ ኣህራር ኣል-ሻም ዝሓዞ ዕጥቂ ፈቲሑ ናብ ኢድሊብ ብሰላም ክሓልፍ'ዩ ተሰማሚዑ።

ተወሳኺ ዛንታ