አመሪካ ኣብ ልዕሊ ቻይና 50 ቢልዮን ዶላር ቀረፅ ኣንቢራ

ዶናልድ ትራምፕ Image copyright Reuters

አመሪካ፤ ኣብ ልዕሊ ንግድን ኢንቨስትመንትን ቻይና ናይ 50 ቢልዮን ቀረፅ ዘንበረት ቻይና ንዓመታት ናይ ምህዞን ፈጠራን በዓል ዋንነት ስርቅን ምጭብርባርን ክተካይድ ፀኒሓ ንዝበለቶ ግብረ መልሲ'ዩ።

መንግስቲ አመሪካ ከምዝበሎ እዚ ሰፍ ዘይብል ስጉምቲ ዝወሰደ ካብ ኢኮኖሚ መንግስቲ ቻይና ዝበፅሖ ፍትሓዊ ዘይኮነ ውድድር ንምትራፍ ዝዓለመ ምዃኑ ገሊፁ።

ከምኡ ድማ ንዓመታት ዝተኻየዱ ልዝባት ፍረ አልባ ኾይኖም ክብል ኣንፅርፅሮቱ ገሊፁ።

ቻይና ብወገና ኣድላይ ዝበለቶ ግብረ መለሲ ክትወስድ ኣብ ምድላው ከምእትርከብ ኣፍሊጣ።

ብኻሊእ ገፅ ፕረዚደንት ትራምፕ ንኩባንያታት አመሪካ 'መሐለውታ' ንግዲ ከምዝገብሩሎም ተዛሪቦም።

"ንመንግስቲ ቻይና ደጋጊምና ተዛሪብናያ ኢና። ሓዝ'ውን እንተኾነ ኣብ ዓᎁቕ ልዝብ ንርከብ። እዚ ናበይ ገፁ ከምዝወስደና ግን ክንሪኢ ኢና" ኢሎም።

መንግስቲ አመሪካ ግዳይ እዚ ውሳነ ዝኾኑ ሓደ ሺሕ ኩባንያታት ቻይና ዝረቑሐ እንትኸውን፥ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ እዚ ጉዳይ እናተፀንዐ ከምዝፀንሐ ምፍላጥ ተኻኢሉ።

እዚ ኣብ ቀፃሊ ንግዳውን ፖለቲካውን ርክብ አመሪካን ቻይናን ዓብይ ፅልዋ ከሓድር ከምዝኽእል ይግመት።

ተወሳኺ ዛንታ