ሞሳና ደበሳይ ቀዳመይቲ ኤርትራዊት ፕሮፈሽናል ጓል_ኣንስተይቲ ተቐዳዳሚት ብሽክሌታ ኾይና

Image copyright MD
ናይ ምስሊ መግለጺ ሞሳና ደበሳይ ቀዳመይቲ ኤርትራዊት ፕሮፈሽናል ተቐዳዳሚት ብሽክሌታ ኮይና'ላ

ኤርትራዊት ተቐዳዳሚት ብሽክሌታ ሞሳና ደበሳይ ናብ ሰርቬቶ ስትራዳሊ ኣሉሪሳይክሊንግ ዝተባህለት ኢጣልያዊት ክለብ ብምጽንባር፡ ኣሰር ምዕባያ ዝኾኑ ኣሓዋታ መኽሰብን ፍረቓልሲን ተኸቲላ ቀዳመይቲ ጓል_ኣንስተይቲ ፕሮፈሽናል ተቐዳዳሚት ክትከውን በቒዓ'ላ።

ምጽንባር ጓል 24 ዓመት ዝኾነት ሞሳና ናብታ ብፕረዚደንት ስቴፋኖ ቦርቶላቶ እትምራሕ ክለብ ሰርቬቶ ስትራዳሊ ኣሉሪሳይክሊንግ ኣብ ወግዓዊ ገጻት ፌይስቡክ ናይ'ታ ኢጣልያዊት ጋንታ እዩ ብሰኑይ ንመጀመርታ ተገሊጹ።

ዉድድር ብሽክሌታ ኣፍሪቃ 2018 ብዓወት ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር ተዛዚሙ

ኣካያዲ ሰርቬቶ፡ ዳሪዮ ካሮሲኖ፡ "ሞሳና ብዘመዝገበቶ ዓወታት፡ ብርትዕቲ ኣትሌት ምዃና ዘመስከረት ተቐዳዳሚት እያ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ጋንታና ኣብ ዝህልዋ ውድድር ብወግዒ ከነፋልጣ ኢና" ኢሉ።

Image copyright MD
ናይ ምስሊ መግለጺ ክልተ ኣሕዋታ'ውን ፍሉጣት ፕሮፈሽናል ተቐዳደምቲ ብሽክሌታ'ዮም

መኽሰብን ፈረቓልሲን ደበሳይ ዝበሃሉ ክልተ ኣሕዋታ'ውን ፍሉጣትን ብዙሕ ዓወታት ዝጨበጡን ተቐዳደምቲ ብሽክሌታ ምዃኖም ይፍለጥ።

ዝሓለፈ ለካቲት ኣብ ኪጋሊ ርዋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ዉድድር ብሽክሌታ ኣፍሪቃ፡ ሞሳና ኣብ ናይ ግዜ ቅድድም ቀዳመይቲ ብምእታው፡ ወርቂ ዝተሸለመት ጎብለል ኣፍሪቃ'ያ።

ብኻልእ ዜና፡ ኣብ ትማሊ ኣብ ማሌዥያ ኣብ ዝተኻየደ ሓሙሻይ መድረኽ ቱር ዲ ላንግካዊ፡ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ጋንታ ኩቤካ፡ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር ሳልሳይ ብምእታው ተሸላሚ ንሓስ መዳልያ ኾይኑ'ሎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ