ኣብ ምድሪቤት ሆስፒታል ከምእትወልድ ዝተገበረት ኣደ ካሕሳ ክኸፈላ ተወሲኑ

ተበዳሊት ኣደ ኣብ ቤት ፍርዲ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ቤት ፍርዲ መሰላት ጆሰፊን ማጃኒ ከምዝተግሃሱ ኣፍሊጡ

ኣካላዊ ጥቕዓት ዝተፈፀማን ኣብ ምድሪቤት ሆስፒታል ክትወልድ ዝተገደደትን ኣደ 25 ሽሕ ዶላር ካሕሳ ክትከሓስ ተወሲኑ።

ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቡንጎማ፡ መሰላት ጆሰፊን ኣብ እዋን ሕርሳ ከምዝተጥሓሱ ኣረጋጊፀን።

ኣብ 2013 ናብቲ ሆስፒታል ኣብ ዝኸደትሉ እዋን ነርስታት ከምዝፀፍዕኣን ከምዝፀረፍኣን ዘረድእ ውሳነ ቤት ፍርዲ፡ ኣብ ምድሪቤት ክትወልድ ከምዝገበርኣ ሓቢሩ።

ነቲ ፍፃመ ዘረድእ ምስሊ'ውን ብቪድዮ ተቐሪፁ'ዩ።

ዳኛ ኣቢዳ ኣሮኒ መሰላት ሓለዋ ጥዕናን ክብርን እታ ኣደ ከምዝተጥሓሱ ተዛሪበን።

ጠበቓ ወይዘሮ ማጃኒ ዝኾነ ማርቲን ኦኒያንጎ ንቢቢሲ ፎከስ ኣፍሪካ ኣብ ዝሃቦ ቃል "ብድሕሪ ምውላዳ'ውን መዳሕንቲ ንምቑራፅ ባዕላ ናብ ክፍሊ መወልዳን ክትኣቱ ተገዲዳእያ" ኢሉ።

ንውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ ድማ ንደቀኣንስትዮ ኬንያ 'ዓብዪ ዓወት' ክብል ገሊጽዎ።