''ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓንቲ ካብተን ቀራናት ዞባ እያ እየ ዝብላ''

ኣቶ ኤልያስ ሃብተስላሴ፡ 2018 ናይሮቢ

ግጭትን ጎንጽን ብዝተፈላለየ ኩነታት ይለዓል ። ኣብ ገጠራት ብሳዕርን ማይን፡ ብደረት ግራትን ጥሕሰት ሕዛእትን፡ ኣብ ከተማታት ከኣ ብውርሻን እብጽሓንን ካልእ ማሕበራዊ ኩነታትን ይኽሰት።

ኣብ ኣባላት ስድራ፡ ጎረባብትን ጎደቦታትን እውን የጋጥም። ይኹን እምበር በቲ ናይ ቅድም ኣነባብራ ኣበዋት፡ ይዕበ ይንኣስ ጎንጺ፡ ብማሕበራዊ ስርዓት ዳንነት (ጭቃ ዓዲ) ብስርዓተ ሽም ኣሕዋት ኣብ ባይቶ ይፈትሕዎ ኔሮም።

ጎንጺ መኻይዲ ደቂ ሰባት ምዃኑ ዝገልጸ ምሁር ሕጊ፣ ምሕደራን ምፍታሕን ጎንጺ (ኮንፍሊክት ሬዞሊሽን) ዝኾኑ ኣቶ ኤልያስ ሃብተስላሰ፡ ጎንጺ ኣብ ጎደቦታት ጥራሕ ዘይኮን ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት እውን ከምዘጋጥም ይሕብር።

ንሃገራት ኢትዮጵያ፣ ኤርትራ፣ ኬንያ፣ ጅቡቲ፣ ሶማልያ፣ ደቡብ ሱዳንን ጎረባብተንን ዝሓቖፈ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ፖለቲካዉን ቑጠባዉን ድሌት ሓይልታት ወጻኢ ዝንጸባረቐሉ ከባቢ'ዩ።

ኣብ ርእሲኡ፡ እዚ ዞባ'ዚ ብተደጋጋሚ ተፍጥሮኣዊ ሓደጋን ሓድሕዳዊ ጎንጽን ዝፈታተኑዎ ጽንኩር ዞባ'ዩ። ጉዳይ ሰናይ ምምሕዳር፣ ድርቅን ስደትን፣ ዉሕስነት መግብን ካልእ ቁጠባዉን ማሕበራዉን ጠለባትን ቅልዉላዋትን ቀንዲ ጠንቂ ምኽንያት ጎንጽን ምስሕሓብን እዚ ዞባ'ዩ።

ግን ስለምንታይ እዩ ኣብዚ ዞባ'ዚ ተደጋጋሚ ጎንጺ ዘጋጥም?

እቲ ቐንዲ ምኽንያት "ሕጽረት ትሕዝቶን ሃብትን እዩ"

መብዛሕትኡ እዋን ጠንቂ ጎንጽን ግጭትን፡ ዕብለላ ሃብትን ነገራዊ ትሕዝቶን እዩ ዝብሉ ምሁር ጎንጽን ምሕደራ ተፈጥሮኣዊ ሃብትን ኣቶ ኤልያስ ሃብተስላሰ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ዓለምና ዝረኣዩ ዘለዉ ጎንጺታት ካብዚ መንፈስ እዚ ዝብገሱ ምዃኖም የረድእ።

"ምዕራባዉያን ክበጽሑና ወይ ክሕግዙና ዘይኮነስ ባህሪያዊ ትሕዞናን ሃብትናን ንምምዝማዝ'ዮም ናብ ኣፍሪቃ መጺኦም። ድሓር መሰልካ እናፈልጥካ ምስ ከድካ ግና ጠለብካ እውን ስለዝዉስኽ ኣብ መስርሕ ምግርጫዉ ይፍጠር። ስለዝኾነ ጎንጺ ኣብ ሃብቲ፣ መሰል ተጠቃምነትን ረብሓን ዝተደረኸ'ዩ" ይብል።

'ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓንቲ ካብተን ቀራናት ዞባታት'ያ' እየ ዝብላ' ዝብል እዚ ምሁር፡ በቲ ዘለዋ ስትራቴጂካዊ ኣቀማምጣ ደላይኣ ብዙሕ ምዃኑ ይሕብር።

ክሳብ ሕዚ ኣብ ሃገራት እዚ ዞባ ዝረአ ማሕበረ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ሓንቲ ሃገር ተቓዋሚ ሓይሊ ናይቲ ካልእ ብምእንጋድን ኣብ ክንዲ ሰላም ብኣሉታዊ ውድድርን ክተሃላለኻ እየን ዝረኣያ።

"ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ምልዉዋጥ ስርዓት ናይ ስደተኛታት ኣለወን። እዚ ከኣ ሕድሕድ ሰላም ዘይምህላው ዝፈጠሮ ጸገም እዩ። ከም ሳዕቤኑ ከኣ ነዚ ዞባ ኣብ ጎንጺ ከምዝነብር ገይሩዎ። ካብዚ ኩነታት እዚ ንኽወጽኣ ከኣ ንጎረባብቲ ሃገራት ብሓባራዊ ረብሓ ዘተኣሳስር ሓደ ሰፊሕ ምንቅስቓስ ኣህጉራዊ ሓድነት ክፍጠር ኣለዎ" ዝብል እምነት ድማ ኣለዎ።

"ስእነት ሰላም ኣብ ደገ የንብረና'ሎ"

ጎንጺ፡ ኣብ ከባቢታት ዶባት ንዝነብሩ ህዝብታት ኣብ ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት ከምዝነብሩ ምግባሩ ከም ኣብነት ዘልዓለ ኣቶ ኤልያስ፡ ዝኾነ ይኹን ጎንጺ ብሰላማዊ መገዲ ጥራሕ ክፍታሕ ከምዝግበኦ ይገልጽ።

"ዝኾነ ዓይነት ጎንጺ፡ ብወተሃደራዊ መገዲ ኣይፍታሕን እዩ። እዚ'ውን ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ተፈቲኑ እዩ። ብኩናት ዝመጽአ ሰላምን ብኩናት ዝረግአ ህዝብን ዞባን የለን። ቀንዲ ውሕስነት ሰላም ሰላማዊ ዘተን ልዝብን ጥራሕ እዩ።

ስለዝኾነ ድማ ካብ ኣተሓሳስባ ዉልቀ ሰባት ጀሚሩ ዘላቒ ፍታሕ ከምጽእ ዝኽእል ዋጋ ሰላም ዘስተውዕል ማሕበረሰባዊ ኣተሓሳስባ ክፍጠር ኣለዎ" ይብል ኣቶ ኤልያስ።

ሸዉዓተ ዓመት ዝወሰደ ኲናት ሶርያ ዘስዓቦ ሞትን ምምዝባልን ሓደ ዓቢ ኣብነት ናይቲ ኣብ ዓለምና ዝረአ ዘሎ ህውከትን ዕግርግርን እዩ።

ጎንጽን ኩናትን ዕንወት እዩ ዘኸትለ። ሰላም ህዝብን ጎረባብትን ይዘርግ። ሰላም ግን ህልዉና ህዝብን ሃገርን ዘረጋግጽ መገዲ ብርሃንን ለዉጥን እዩ።

ስለዚ ኩሉ ኣባል ሕብረተሰብ ነታ መሰረት ልምዓትን ምዕባለን ልምዓትን ዝኾነት ሰላም ንምርግጋጽ ክሰርሕ ይግባእ - ዓቕምታትና ኣወሃሂድና እንተሰሪሕናን እንተተሓባቢርናን ከኣ ይከኣል እዩ - ዘይከኣል የለን! ይብል ኣቶ ኤልያስ ሃብተስላሰ ርሁው መጻእን ምዕባለን እዚ ዞባ እናተመነየ።

"ስእነት ሰላም ንዓይን ንብዙሓት ከምዚ ከማይን፡ ዘለና ፍልጠትን ክእለትን ንህዝብና ከይነበርክት ካብ ሃገርና ወጺእና ክንነብር ኣገዲዱና ኣሎ። እዚ ንዓይ ሰላም ዘይምህላው ዘምጽኦ ኪሳራ'ዩ።

ሰላም እንተዝህሉ፡ ኣብ ዓደይ ኤርትራን ጎረቤተይ ኢትዮጵያን ኮይነ ንቲ ዝዓበኹሉ፣ ዝፈልጦ ህዝቢ መገልገልኩ ነይረ" ይብል።

ካልእ ኣብዚ ዞባ ብዘሎ ስእነት ሰላም ኣሻሓት መንእሰያት ንስደት ይውሕዙ ምህላዎም ዝሕብር ኣቶ ኤልያስ፡ ጥዑይ ስርዓትን ምምሕዳርን ከምዝመጽእ ብምግባር ማሕበረ-ቑጠባዉን ፖለቲካዉን ጸገማት ጎረባብቲ ሃገራት ምፍታሕ ከምዝከኣል የረድእ።

ኣብ ርእሲኡ "ሲቪክ ማሕበራት፣ መናእሰይ፣ ደቂ ኣንስትዮን ምሁራትን ክዓብዩን ክዉደቡን ኣለዎም። ማሕበራዊ ክብርታት ሕብተሰብና ክዕቀብን ክጎልሕን መናእሰያት፡ መበቆሎም ክፈልጡን ክመሃሩን ኣለዎም። እቲ ዘይፈልጠና መጺኡ፡ ብዛዕባ መጻኢናን ዘድልየናን ክምህረናን ክነግረናን ክንጽበ የብልናን" ብምባል ሓሳቡ ይጠምር እዚ ሙሁር።