ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ፤ ፈተነ ቕትለት ኣባል ስለያ ሶቬት ሕብረት ነበር፡ ይኹንን

ቀዳማይ ሚኒስተር ተርንቡል፤ እዚ እቲ ንሩስያ ዝወሃብ ግብረ መልሲ'ዩ ይብል Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ቀዳማይ ሚኒስተር ተርንቡል፤ እዚ እቲ ንሩስያ ዝወሃብ ግብረ መልሲ'ዩ ይብል

ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ 60 ዲፒሎማሰኛታት ሩስያ ካብታ ሃገር ክወጹ ድሕሪ ምእዛዛ ቆንስል ሩስያ ኣብ ከተማ ስያትል'ውን ዓጽያ።

እዚ ድማ ኣብ ታሪኽ ኣብ ሓደ እዋን እቲ ዝበዝሐ ቁጽሪ ዲፕሎማሰኛታት ዝተሰጎጉሉ ኮይኑ ይርከብ።

እቲ ስጉምቲ ግብረመልሲ ናይቲ ሩስያ ፈጺማቶ ተባሂላ ትኽሰሰሉ ዘላ፡ ኣብ ልዕሊ ኣባል ስለያ ሶቬት ሕብረት ዝነበረ ሰርገይ ስክሪፓልን ጓሉን ኣብ ሳሊስበሪ፡ ዓዲ እንግሊዝ ዝተኻየደ ናይ መርዛም ስነቀመም ፈተነ ቕትለት'ዩ።

እቲ ወሳነ ኣሜሪካን ሃገራት ኣውሮጳን ንዓዲ እንግሊዝ ዘለወን ደገፍ ንምግላጽ ዝተወሰደን፡ ነቲ ሩስያ ፈጺማቶ ዝበሃል ናይ ስነቀመም መጥቃዕቲ ንምኹናን'ዩ።

ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሩስያ እቲ ወሳነ ናይተን ሃገራት ናብ ናይ 'ምትፍናን መገዲ' ዝመርሕ'ዩ ክብል ገሊጽዎ።

ብተዛማዲ ዜና ኣውስትራልያ ዲፕሎማሰኛታት ሩስያ ካብ ሃገራ ንምስጓግ ምስተን ካልኦት ልዕሊ 20 ሃገራት ምሕባራ፤ ንዲፐሎማሲያዊ ቅልውላው ሩሲያ የጋድዶ ።

ክሳብ ሕጂ 21 ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት 100 ዲፕሎማሰኛታት ሩስያ ካብ መሬተን ክወጹ ዝኣዘዛ ክኾና እንከለዋ፤ ዝተፈላለያ ሃገራት ድማ ሎሚ ተመሳሳሊ ሰጉምቲ ንምውሳድ ነቲ ናይ ዓላማ ክሓብርኦ ወሲንን ኣለዋ። ንሳተን ድማ፤-

  • ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ 60 ዲፕሎማሰኛታት
  • 16 ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ 33
  • ዩክረይን፡ 13
  • ካናዳ፡ 4 ዲፕሎማሰኛታትን ከምኡ'ውን ካብ ሩሰያ ንዝቐረቡላ 3 ሓደስቲ መመልከትን ነጺጋ
  • ኣልባንያ፡ 2
  • ኣውስትራልያ፡ 2
  • ኖርወይ፡ 1
  • ማቆዶንያ፡ 1

ኣይላንድ'ውን ብወገና ዝኾነ ይኹን ዝርርብ ምስ ሰበ-ስልጣን ሩስያ ከምዘይተካይድን፤ መራሕታ ኣብ'ቲ ኣብ ሩስያ ንወርሒ ሰነ ክካየድ ተሓሲቡ ዘሎ ዋንጫ ዓለም ከምዘይሳተፉን ኣፍሊጣ።

ከምኡ'ውን ቅድሚ ቁሩብ ሳምንታት ሕቡራት ነገስታት ብሪጣንያ 23 ሩስያውያን ዲፕሎማሰኛታት ካብ መሬታ ክወጹ ምግባራ ይዝከር ኮይኑ፡ ሰበ-ስልጣን ይኹኑ ኣባላት ንጉሳዊ ቤተሰብ'ውን ናብ ግጥማት ኩዑሾ እግሪ ሩስያ ኣይልእኽን'ይ ኢላ'ላ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ሩስያ ድሕሪ'ቲ ናይ ሳሊስበሪ መጥቃዕቲ ዲፕሎማስያዊ ግብረመልሲ ትጽበዮ'ዩ ነይሩ