ፌስቡክ ኣብ ምርመራ መንግስቲ ኣሜሪካ

ፌስቡክ Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ፌስቡክ

ኮምሽን ንግዲ ፌደራል ኣሜሪካ፡ ፌስቡክ ውልቀ መረዳእታ ሚልዮናት ዓማዊሉ ብኸመይ ናብ ካምብሪጅ ኣናሊቲካ ዝተብሃለ ትካል ኣሕሊፉ ከምዝሃበ ምጽራይ ከምዝገብር ኣፍሊጡ።

ኣማኢት ሚልዮናት ዓማዊል ዘለዎ ፌስቡክ፡ ናይ ኣስታት 50 ሚልዮን ዓማዊሉ መረዳእታ ንመጽናዕታዊ ትንታነ ብዝብል ምስ ናብ ሳልሳይ ወገን ኣሕሊፉ ብዝብል ሓሳብ ክንቀፍ ጸኒሑ'ዩ።

እቲ መረዳእታ ድማ ኣብ ናይ ፕሬዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ 2016 ጎስጓስ ምርጫ ከምዝወዓለ ይእመን።

ውጽኢት ከይዲ ምጽራይ እቲ ኮምሽን ተራእዩ፡ ፌስቡክ ውልቃዊ መረዳእታ ዓማዊሉ ኣሕሊፉ ምሃቡን ዘይምሃቡን ከምዝፍለጥ ይግለጽ ኣሎ።

ኮምሽን ንግዲ ፌደራል መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ውልቃዊ መረዳእታታት ብግቡእ ዘይሕልዉ ትካላት ስጉምቲ እናወሰደ ከምዝመጽአ ተጠባባቒ ዳይሬክተር እቲ ኮምሽን ቶም ፓል ሓቢሩ።

ፌስቡክ ውልቃዊ መረድእታ ዓማዊሉ ንሳልሳይ ወገን ኣሕሊፉ ክህብ እኳ እንተደልዩ ፈለማ ንዓማዊሉ ከፍልጥ ሕጊ ከምዘገድዶ'ውን ቶም ይገልጽ።

ብመሰረት ሕጊ ኣሜሪካ ኣዋጅ ምሕላው ውልቃዊ መረዳእታ ጥሒሱ ዝተረኸበ ውልቀሰብ ኮነ ትካል ነፍሲ ወከፍ 40 ሽሕ ዶላር ከምዘቕጽዕ ዳይረክተር ነበር ኮምሽን ንግዲ ኣሜሪካ፡ ዴቪድ ቭላዴክ ኣረዲኡ።

ፌስቡክ በቲ ተኸሲስዎ ዘሎ 'ናይ 50 ሚልዮን ዓማዊል ውልቃዊ መረዳእታ ኣሕሊፍካ ናይ ምሃብ ገበን' ተጻርዩ ሓቂ ኮይኑ እንተድኣተረኺቡ ፌስቡክ ብትርልዮናት ዝግመት ገንዘብ ክቕጻዕ ከምዝኽእል ይግለጽ ኣሎ።

ነቲ ብኮምሽን ንግዲ ኣሜሪካ ዝቐረበ ሕቶ ንኢዱ ናብ ምላሹ ዝኣተወ ምክትል ዋና ዳይሬክተር ፌስቡክ ሮብ ሸርማን፡ ሓሓሊፉ ንዘጋጥሞ ዓማዊሉ ብዘይፍቓዶም ንሳልሳይ ኣካል ናይ ምቅላዕ ጸገም ንምፍታሕ ሓድሽ ሕጊ ከምዘርቀቐ ኣብሪሁ።