ልዕሊ 40 ሽሕ ሰገናት ኮንጎ ኣብ ምእራይ መዓድን ተዋፊሮም
ልዕሊ 40 ሽሕ ሰገናት ኮንጎ ኣብ ምእራይ መዓድን ተዋፊሮም
ዲምክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ ንመስርሒ ሞባይል ዝውዕል ኮባልት ዝተብሃለ ክቡር መዓድን እትውንን ሃገር ዋላ እኳ እንተኾነት ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ብዝግባእ ክትጥቀመሉ ኣይከኣለትን። ኣስታት 40 ሽሕ ሰገናት እታ ሃገር ድማ ኣብ ምእራይ ኮባልት ተዋፊሮም ከምዝርከቡ ጸብጻብ ዩኒሴፍ የረድእ።