ፈረንሳውያን ኣብ ሳልሳይ ዓመቶም ትምህርቲ ክጅምሩ እዮም

ቤት ትምህርቲ ፈረንሳይ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ እቲ ሓድሽ ስርዓተ ትምህርቲ ንውሑዳት ኣባላት ስድራ ጥራይ'ዩ ዝጎድእ።

ፕሬዚደንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማርኮን ብዝሓንጸጾ ሓዱሽ ስርዓተ ትምህርቲ መሰረት፡ ህጻናት እታ ሃገር ካብ ደጊም ኣብ ሽዱሽተ ዓመቶም እንተይኮነስ ኣብ ሰለስተ ዓመቶም ትምህርቲ ክጅምሩ'ዮም።

በዚ ድማ ፈረንሳይ ዜጋታታ ገና ኣዝዮም ህጻዉንቲ እንከለዉ ትምህርቲ ክተጀምር ዝኸኣለት ፈላመይቲ ኣውሮጳዊት ሃገር ክትከውን ኣኽኢልዋ'ሎ።

መብዛሕቲኦም ዜጋታት ፈረንሳይ ደቆም ደቂ ሰለስተ ዓመት ምስኮኑ ምሁሮ ክጅምሩ ኣለዎም ዝብል ፖሊሲ ስለዝደገፉ በቲ ሓድሽ ስርዓተ ትምህርቲ ዝጉድኡ ስድራ ኣዝዮም ውሑዳት ከምዝኾኑ ይግለጽ ኣሎ።

መረዳእታ መንግስቲ ፈረንሳይ ከምዝሕብሮ፡ 2.4 ሚኢታዊት ህጻዉንቲ እታ ሃገር ጥራይ'ዮም ደቂ ሰለስተ ዓመት ምስኮኑ ናብ መኣዲ ቤት ትምህርቲ ዘይከተቱ።

እቲ ፈረንሳይ ተግባራዊ እትገብሮ ሓድሽ ስርዓተ ትምህርቲ ኣብታ ሃገር ንዘጋጥም ዘይምዕሩይ ኣገልግሎት ትምህርቲ ንምትዕርራይ ከምዝኾነ ፕሬዚደንት ማርኮን ኣፍሊጡ።

ኣብ ርእሰ ከተማ ፈረንሳይ፡ ፓሪስ 93 ሚኢታዊት ህጻውንቲ ደቂ ሰለስተ ዓመት ምስኮኑ ናብ መኣዲ ቤት ትምህርቲ ዝኸተቱ'ዮም።

ካብ 2019 ጀሚሩ እቲ ኣብ መጀመሪ ዕድመ ትምህርቲ ዘሎ ኣፈላላይ ንምቅናዕ ተጊሁ ከምዝሰርሕ ዝሓበረ ፕሬዚደንት ማርኮን እዚ ሓድሽ ህጻዉንቲ ኣብ ሰለስተ ዓመቶም ትምህርቲ ንኽጅምሩ ዝገብር ፖሊሲኡ ኣብ ምምዕባል ስርዓተ ትምህርቲ ፈረንሳይ እምነ ኩርናዕ ከምዝኾነ ገሊጹ።

Image copyright Thinkstock

ህጻዉንቲ ትምህርቲ ዝጅምርሉ ዕድመ ሃገራት ኣውሮጳ፡

ሰሜን ኣየርላንድ፡ 4

ኢንግላንድ፣ ሲጵረስ፣ ማልታ፣ ስኮትላንድን ዌልስን፡ 5

ኦስትርያ፣ በልጂየም፣ ክሮሽያ፣ ቼክ ሪፐብሊክ፣ ዴንማርክ፣ ጀርመን፣ ጣልያንን ካልኦትን ድማ ፡ 6

ቡልጋርያ፣ ኢስቶንያ፣ ፊንላንድ፣ ላቲቫ፣ ሊቱንያ፣ ፖላንድ፣ ሰርብያን ስዊድንን፡ 7

ኣብ 2015 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳውያን ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከምዘመላኽቶ፡ ድሒሮም ናብ ቤት ትምህርቲ ዝኣትዉ ህጻዉንቲ ኣብ ምሁሮኦም ንቑሓት ኣይኮኑን።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት