ኣባል ተቓዋሚ ሰልፊ ኬንያ ሚጉና ሚጉና ዳግማይ ተጠሪዙ

ሚጉኑ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ቀይዲ ውዒሉ ነይሩ Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ሚጉኑ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ቀይዲ ውዒሉ ነይሩ

ሓደ ቤት ፍርዲ ኬንያ ብረቡዕ ንሰለስተ ዓበይቲ ሰበ-ስልጣን ናይ'ታ ሃገር ብመሰረት ትእዛዝ ቤትፍርዲ ንሚጉና ብዘይምልቃቖም ብንዕቀት ቤትፍርዲ ከሲስዎም።

ጠበቓታት ሚስተር ሚጉና ካብቲ ካብ ሰኑይ ኣትሒዙ ተዳጒንሉ ዝቐነየ መዕርፎ ነፈርቲ ናይሮቢ ብነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢማራት ዓረብ ካብታ ሃገር ከምዝወጸ ኣረጋጊጾም ኣለዉ። ናብ ዱባይ ከምዘምረሐ ድማ ይፍለጥ።

እቲ ስምዒቱ ብነጻ ብምግላጽ ዝልለ ኣባል ተቓዋሚ ሰልፊን ጠበቓን ዝኾነ ሚጉና ሚጉና ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ካናዳ ድሕሪ ምጥራዙ፡ ተመሊሱ መጺኡ ናብ'ታ ሃገር ክኣቱ ድሕሪ ምፍታኑ'ዩ ተዳጒኑ ቐንዩ።

ዳኛ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኬንያ ጆርጅ ኦዱንጋ ግን ናይታ ሃገር ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት፣ ኣዛዚ ፖሊስን ሓላፊ ኢሚግሬሽንን ንሚጉና እንተዘይፈቲሖሞ ብንዕቀት ቤትፍርዲ ክሕተቱ ምዃኖም ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ቅድም ኢሉ፡ ሰበ-ስልጣን ኬንያ ሚጉና ብምኽንያት ኣብቲ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ራይላ ኦዲንጋ ከም "ፕረሲደንት ናይ ህዝቢ" ዝገበሮ ናይ ብሕሶት (ሞክ) ቃለ-መሓላ ብዝነበሮ ተራ ጠሪዞሞ ነይሮም'ዮም። ሚስተር ሚጉና ናይ ኬንያ ዜግነት የብሉን ድማ ኢሎም ነይሮም።

ሚስተር ኦዲንጋ ኣብ ዝሓለፈ ነሃሰ ኣብ ዝተገብረ ምርጫ ተሳዒሩ ነይሩ። እንተኾነ ግን እቲ ዝተኻየደ ምርጫ "ምድንጋራት" ነይሩዎ ተባሂሉ ብቤት ፍርዲ ተሰሪዙ። ብድሕሪኡ ኣብ ዝተገብረ ናይ ድግማ ምርጫ ድማ ንፕረሲደንት ኡሁሩ ኬንያታ ብዘርብሕ መንገዲ ምድንጋራት ክግበር'ዩ ብምባል ኣብቲ ምርጫ ኣይተሳተፈን።

ኣብ ፈለማ ናይ'ዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ግን ራይላን ፕረሲደንት ኡሁሩ ኬንያታን ሃንደበታዊ ብዝኾነ መንገዲ ብሓባር ኣብ ተለቪዥን ቀሪቦም መስርሕ ዕርቂ ክጅምሩ ምዃኖም ቃል ኣትዮም።

ሚስተር ሚጉና ኣብ ሽንቲ ቤት ተዳጒኑ ከምዘሎን ስድራ ቤቱ ድማ ንኸይበጽሕዎ ከምዝተኸልከሉን ብሰሉስ ንመደብ ፎካስ ኦን ኣፍሪካ ናይ ቢቢሲ ነጊሩ ነይሩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ