ኣብ ቬንዙዌላ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ 68 ሰባት ሞይቶም

የታሳሪ ቤተሰቦች Image copyright Reuters

ኣብ ቬንዙዌላ ከተማ ቫለንሽያ ኣብ ሓደ ቤት ማእሰርቲ፡ ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ ሰባት ብዘልዓልዎ ህውከትን ዕግርግርን 68 ሰባት ከምዝሞቱ ሰብ መዚ እታ ሃገር ኣፍሊጦም።

ዋና ዓቃቢ ሕጊ ቬንዙዌላ ታሬክ ሳኣብ መንቀሊ እቲ ባርዕ ንምፍላጥ ብቕልጡፍ ከምዝስራሕ ተዛሪቡ።

እቲ ባርዕ ብሰንኪ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክሃድሙ ዝደልዩ እሱራት ፍርናሻት ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ስለዘቃጸሉ ከምዝኾነ'ውን ተሓቢሩ።

ባርዕ ከምዘጋጠመ ሰሚዖም ነቲ ቤት ማእሰርቲ ከቢቦም ዝነበሩ ስድራ እቶም እሱራት ብመንብዒ ጋዝ ፖሊስ ተበቲኖም'ዮም።

እቲ ባርዕ ቀልጢፉ ኣብ ቁጽጽር ኣባላት ምክልኻል ሓደጋ ባርዕ እታ ሃገር ዝወዓለ ክኸውን እንከሎ ሓደ ፖሊስ ብጥይት ተወቒዑ ከምዝሞተ በዓል መዚ እታ ግዝኣት ጂሰስ ሳንታንደር ገሊጹ።

እቲ ከባቢ ድሕሪ እቲ ዘጋጠመ ባርዕ ኣብ ከቢድ ሓዘን ይርከብ።

ኣባላት ስድራ እቶም እሱራት ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ እቶም ዝሞቱ ብትኪ ተዓፊኖም እዮም ሞይቶም ኢሎም።

ንእሱራት ክጥይቑ ዝኸዱ ሰባት'ውን ግዳይ ሓደጋ ሞት እቲ ባርዕ ከምዝኾኑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ'ዩ።