ጋዜጣ ዩጋንዳ 'ጠርሙስ ዋይን ንዛንታ ፆታዊ ዓመፅ' ብዝብል ዘቕረቦ ፃውዒት ቁጠዐ ፈጢሩ

እቲ ጋዜጣ ኣብ ትዊተር ገፁ ዘቕረቦ ይቕረታ Image copyright Twitter/Daily Monitor
ናይ ምስሊ መግለጺ ዘ ዴይሌ ሞኒተር ብወግዒ ይቕረታ ሓቲቱ

ዩጋንዳዊ ጋዜጣ ፆታዊ መጥቃዕቲ ዘጋጠመን ደቀኣንስትዮ ዛንትአን እንተድኣ ኣቕሪበን ሓደ ጠርሙዝ መስተ ወይኒ (ዋይን) ከምዝሽልመን ንዘቕረቦ መፀዋዕታ ይቕሬታ ክሓትት ተገዲዱ።

ዘ ዴይሊ ሞኒተር ኣብታ ሃገር ዝሕተም ዝዓበየ ጋዜጣ ክኸውን ከሎ፡ እተን ግዳያት ዛንትአን ኣብ ትዊተር ከስፍር'ዩ ፀዊዑ ነይሩ።

ተዓዋቲት ዝኾነት ድማ "ክባር መስተ ወይኒ' ከምዝሸልም ኣፍሊጡ።

ኣብ ገዛ ዝፍፀሙ ጥቕዓታት ብስፍሓት ኣብ ዝረኣየላ ሃገር ከምዚ ዝበለ ፃውዒት ምቕራቡ እቲ ጉዳይ ክኸብድ ገይርዎ'ሎ።

መንግስቲ ዩጋንዳ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዘውፅኦ ፀብፃብ ከምዝሕብሮ፡ ካብ ሓሙሽተ ደቀኣንስትዮ እተን ልዕሊ ሓደ (ካብ 15-49 ዕድመ ዝርከባ) ኣብ ውሽጢ ገዛ ንዝፍፀም ጥቕዓትን ፆታዊ ግህሰትን ግህሰትን ዝተሳጥሓ እየን።

እቲ ጋዜጣ ኣብ ቀረባ እዋን ንዝወፀ ፀብፃብ ጠቒሱ ከምዝፀብፀቦ ግና ካብ ደቀኣንስትዮ ዩጋንዳ እተን 51 ሚኢታዊት ኣካላዉን ፆታውን ግህሰታት የጓንፈን።

ዘ ደይሊ ሞኒተር ከምዚ ዝዓይነቱ ውድድር ከዳልው ብምፍታኑ ካብ ኣንበብቲን ተጣበቕቲ መሰላት ደቀኣንስትዮን ተቓውሞ ኣጋጢምዎ'ሎ።

እቲ ጋዜጣ "ኣብ ልዕሊ ደቀኣንስትዮ ንዝፍፀሙ ፆታ መሰረት ዝገበሩ ግህሰታት ንምትብባዕ ሓሲቡ ኣይፈልጠን።" ብምባል እቲ ዝተጠቅዐ ፃውፂት ንዝፈጠሮ ዘይምርዳእ ይቕሬታ ሓቲቱ።

ካብ ትዊተር ገፁ ድማ ነቲ ዝጠቅዖ መልእኽቲ ኣወጊዱ። ኣንበብቲ ግን ሕዚ'ውን ቁጠዐኦም እናገለፁ ይርከቡ።