ሩስያ 60 ኣሜሪካውያን ዲፕሎማሰኛታት ብምስጉግ ሕኔኣ ፈድያ

ቆንስላ ኣሜሪካ ኣብ ቅዱስ ፒተርስበርግ ክዕጾ'ዩ Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ቆንስላ ኣሜሪካ ኣብ ቅዱስ ፒተርስበርግ ክዕጾ'ዩ

ሩስያውያን ዲፕሎማሰኛታት ዝሰጎጋ ካልኦት ሃገራት'ውን "ተመጣጣኒ" ስጉምቲ ከውሰደለን ትጽቢት ክገብራ ከምዘለወን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ኣዘኻኺሩ።

እዚ ስጉምቲ'ዚ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰላዪ ዝነበረ ሩስያዊን ጓሉን ኣብ ደቡባዊ ብሪጣንያ ዝተወስደ ናይ ነርቭ መጥቃዕቲ'ዩ ስዒቡ መጺኡ።

ዋይት ሃውስ (ቤተ-መንግስቲ ኣሜሪካ)፡ እቲ ናይ ሩስያ ስጉምቲ "ትጽቢት ዘይተገብረሉ ኣይኮነን" ኢሉ። "ዝያዳ ምንቁልቋል ዝምድና ኣሜሪካን ሩስያን ድማ የርኢ" ኢሉ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ።

ሰርገይ ስክሪፓልን ጓሉ ዩልያን ብ4 መጋቢት'ዮም ኣብ ከተማ ሳልበሪ ኣብ ዝርከብ ሓደ ናይ ጎደና መንበር (ቤንች) ሃለዋቶም ኣጥፊኦም ተረኺቦም፡ መንግስቲ ብሪጣኒያ ድማ በቲ መጥቃዕቲ ንሩስያ ወቒስዋ።

ሩስያ ግን ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝኾነ ይኹን ተራ ከምዘይነበራ ጽኑዕ ኣሉታ ሂባትሉ'ላ።

ሚስተር ስክሪፓል ኣብ ጽኑዕ ግን ከኣ ዝተረጋግአ ኩነታት ይርከብ፡ ኩነታት ጓሉ ግን ይመሓየሽ ኣሎ ይበሃል።

ነታ ኣብ ፈለማ ናይዚ ሰሙን'ዚ 60 ሩስያውያን ዲፕሎማሰኛታት ዝሰጎገትን ኣብ ሲያትል ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ቆንስላዊ ጉዳያት ሩስያ ዝዓጸወት ኣሜሪካ ወሲኽካ፡ ልዕሊ ዕስራ ሃገራት፡ ንብሪጣንያ ብምድጋፍ ሩስያውያን ዲፕሎማሰኛታት ሰጒገን ኣለዋ።

Image copyright EPA/ Yulia Skripal/Facebook
ናይ ምስሊ መግለጺ ሰርጌ ስክሪፓል ምስ ጓሉ ድሕሪ እቲ ቅመማዊ ምረዛ ኣብ ሕክምና ጸኒሑ

ሩስያ ንመን'ያ ትሰጉግ ዘላ?

ሩስያ ን58 ኣብ ከተማ ሞስኮ፡ ክልተ ድማ ኣብ ከተማ የካተሪንበርግ ንዝርከቡ ኣሜሪካውያን ዲፕሎማሰኛታት ካብታ ሃገር ክወጹ ኣዚዛ'ላ።

ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ሩስያ ዮን ሃንትስማን ብዛዕባ'ቲ "ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጉምቲ" ተሓቢርዎ ከምዘሎ ድማ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ገሊጹ።

"ብዛዕባ እተን ካልኦት ሃገራት ዝምልከት ድማ፡ ኩሉ ዝውሰድ ስጉምቲ፡ ብመጠን ቑጽሪ ዝሰጎጉኦም ሩስያውያን ዲፕሎማሰኛታት ክኸውን'ዩ" ኢሉ ላቭሮቭ።

ድሒሩ ድማ፡ ሓደ ዋሃብ ቃል ስቴት ደፓርትመንት (ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ) ኣሜርካ ተወሳኺ ስጉምቲ ክትወስድ መሰል ኣለዋ ኢሉ።

ብሪጣንያ "ኩሉ ኣንጻር ሩስያ ክለዓል ተገድዶ ኣላ" ኢሉ ወቒሱ ሚስተር ላቭሮቭ።

ሩስያ "ብስም'ቲ ጉዳይ ስክሪፓል ዝበሃል ነገር ብጸቕጢ ኣሜሪካን ብሪጣኒያን ኣብ ልዕሌና ዝተወስደ ጨካንን ፈጺሙ ተቐባልነት ዘይብሉ ስጉምትታት" እያ መልሲ ትህበሎ ዘላ ኢሉ ሚስተር ላቭሮቭ።

ሩስያ ዜጋኣ ምስ ዝኾነ ስክሪፓል ተራኺባ ቆልስላዊ ጉዳያን ንምክያድ ክፍቀደላ ድማ ሓቲቱ። "ሓቂ ንምርግጋጽ" ድማ፡ ኣኼባ ናይ ውድብ እገዳ ስነ-ቀመማዊ ኣጽዋር (ኦርጋናይዜሽን ፎር ዘ ፕሮሂብሽን ኦፍ ኬሚካል ዌፖንስ) ክካየድ ድማ ሩስያ ትጽውዕ ኢሉ።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሰርጌ ላቭሮቭ ይሕነ

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ