ብዘይተፈልጠ ዕጡቕ ኣብ ቀይዲ ውዒሉ ዝነበረ ከንቲባ ትሪፖሊ ናጻ ወጺኡ

ሓላፊ ምጽራይ ገበናት ሊብያ ሰዲቅ ኣልሶር Image copyright AFP/Getty
ናይ ምስሊ መግለጺ ሓላፊ ምጽራይ ገበናት ሊብያ ሰዲቅ ኣልሶር

ከንቲባ ከተማ ትሪፖሊ ዓብደልራውፍ ቢተልማል፡ ብሓደ ዕጡቕ ንሰዓታት ኣብ ቀይዲ ውዒሉ ድሕሪ ምጽናሕ ከምዝተለቀቐ ስድርኡ ገሊጾም።

እቲ ከንቲባ ትማሊ ሓሙስ ንጉሆ ካብ ገዝኡ ተወሲዱ ከምዝተዓገተ ዝገለጹ ስድርኡ፡ ምስተለቀቐ ዘሎ ኩነታት ጥዕንኡ ግን ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ከምዝርከብ ሓቢሮም።

መሓዛ ስድርኡ ዝኾኑ ፍልፍላት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ንከንቲባ ዓብደልራውፍ ኣብ ቀይዲ ዘውዓለ ዕጡቕ ፈላማ ጠያይቲ ከምዝተኮሰን ንወዱ ከምዘፈራረሐን ኣብሪሆም።

ሓላፊ ምጽራይ ገበናት ዓቃቢ ሕጊ እታ ሃገር ሳዲቅ ኣልሱር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ግን፡ ከንቲባ ትሪፖሊ ብዕጡቓት ተጨውዩ እንተይኮነስ ብሕጋዊ መንገዲ ንሕቶ ስለዝተደለየ እዩ ኣብ ቀይዲ ውዒሉ ይብል።

እንተኾነ ግና ነቲ ሕጋዊ'ዩ ዝበሎ ማእሰርቲ መርትዖታት ከቕርብ ኣይከኣለን።

ሓይልታት መንግስትን ተቐናቐንትን ሊብያ ካብ 2011 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳውያን ኣትሒዞም ስልጣን መንግስቲ ንምጭባጥ ኣብ ዘይዛሪ ኵናትን ውጥጥን ይርከቡ።

ሰራሕተኛታት ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ትሪፖሊ እቲ ኩነታት 'መነወሪ ተግባር' ኢሎም ድሕሪ ምኹናን ስራሕ ብዘይምእታው ተቓውሞኦም ገሊጾም።

ዕጡቓት ሓይልታት ሊብያ ንሰበ-መዚ መንግስቲ ከፈራርሑ ልሙድ ተግባር እዩ።

ፍጻመታት ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓት ሓይልታትን ስለዝጋጮ ሕጋውነት ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ ሰባት ንኽተጻሪ ኣዝዩ ከቢድ እዩ።

ሊብያ ድሕሪ መራሒ ነበር መሓመድ ገዳፊ ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ፖለቲካውን ማሕበራውን ቅልውላዉ ተዘፊቓ ትርከብ ሃገር እያ።