ቻይና ኣብ ሰደዳት ኣሜሪካ ቀረፅ 3 ቢልየን ዶላር ወሲኻ

ናይ ካሊፎርኒያ ወይኒ ዝሓዙ ጠራሙዝ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረሲደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ቀረጽ ናይቶም ናብ ኣሜሪካ ዝኣቱ ሓጻውን ህንጻ (ተንዲኖ) ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ድሕሪ ምውሳኹ፡ ቻይና ቀረጽ ናይ ወይኒን ስጋ ሓሰማን ወሲኽካ ናይ 128 ዓይነታት ሰደድ ኣሜሪካ ብ25 ሚኣታዊ ክብ ኣቢላቶ። እዚ ሰኑይ ዝጅምር ተወሳኺ ቀረጽ ንኣስታት ሰለስተ ቢሊዮን ዶላር ዝዋግኦም ሰደዳት ናይ ኣሜርካ ዝትንክፍ'ዩ።

እቲ ዝተወስደ ስጉምቲ "ጥቕሚ ቻይና ዝሕሉን" ነቲ ብምኽንያት ኣሜሪካ ዘንበረቶ ሓዲሽ ቀረጽ ስዒቡ ዝመጸ ክሳራ ናይ ቻይና "ዝኽሕስ" እዩ ኢላ ቻይና።

ኣቐድም ኣቢላ፡ ቻይና ናይ ንግዲ ኲናት ከምዘይትደሊ፡ ቁጠብኣ እንተደአ ተሃስዩ ግን ትም ኢላ ከምዘይትዕዘብ ኣፍሊጣ ነይራ።

ፕረሲደንት ትራምፕ ግን "ናይ ንግዲ ኲናት ኣድላዪ'ዩ" ኣሜሪካ ንኽትዕወት ድማ "ቀሊል" እዩ ይብል።

ልኡኽ ቢቢሲ ኣብ ዋሽንግተን ክሪስ ባክለር ከምዝበሎ፡ ሰበ-ስልጣን ኣሜሪካ ድሮ ኣብ ልዕሊ ተወሰኽቲ ዓሰርተታት ቢሊዮናት ዶላራት ዝዋግኦም ናይ ቻይና ሰደዳት ቀረጽ ንምውሳኽ ወጢኖም ከምዘለዉ ገሊጹ።

እዚ ድማ ግብረ-መልሲ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣብ ቻይና ዝርከባ ናይ ኣሜሪካ ትካላት ዝውሰድ ዘይፍትሓዊ ኣሰራርሓ ንግዲ'ዩ ይብሉ። እዚ ግን ነቲ ድሮ ተጀሚሩ ዘሎ ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጉምትታት መሊሱ ዘግድዶ'ዩ ይብል እቲ ልኡኽ ናይ ቢቢሲ።

ኣየኖት ምህርትታት'ዮ ተጸልዮም/ተተንኪፎም ዘለዉ?

እቲ ሓድሽ ቀረጽ፡ ግብረ-መልሲ ነቲ ፕረሲደንት ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ሰደድ ሓጺንን ኣለሚንየምን ናይ ቻይና ቀረጽ ንምውሳኽ ንዝወሰዶ ስጉምቲ'ዩ ትብል ቻይና። ተወሳኺ ቀረጽ ናይ ምውሳኽ ስጉምቲ'ውን ኣይተርፍን።

ከም ግብረ-መልሲ ነቲ ዓመታት ዝወሰደ ዝበሃል ስርቂ ምህዞ ምርምራዊ ንብረት (ኢንተለክችዋል ፕሮፐርቲ)፡ ኣሜሪካ ኣብ ኣስታት 60 ቢሊዮን ዶላር ዝዋግኦም ሰደዳት ናይ ቻይና ቀረጽ ከምትውስኽን ንሰደዳት ቻይና ናብ ኣሜሪካ ክትድርቶ ምዃናን ብ22 መጋቢት ኣፍሊጣ ነይራ።

እቲ ዝተወስደ ስጉምቲ፡ ኣንጻር ናይቲ ብመሪሕነት መንግስቲ ቻይና ዝውሰድ ዘፍትሓዊ ናይ ንግዲ ውድድር እዩ ኢሉ ዋይት ሃውስ (ቤተ-መንግስቲ ኣሜሪካ)።

ቻይና እቲ ዝጀመረቶ ስልታዊ ስጉምቲ ክትቅጽሎ ድያ ኣይትቕጽሎን ግን ጸኒሕካ ዝርኤ ይኸውን።

ንኣብነት፡ ብኽልሰ-ሓሳብ፡ ቻይና ንኸም ኣፕል ዝኣመሰላ ኣሜርካውያን ትካላት ቴክኖሎጂ ቀረጽ ከተኽፍለን ትኽእል'ያ። ከምኡ ዓይነት ስጉምቲ ግን ነተን ዓርሞሸሽ ኣሜሪካውያን ትካላት ቴክኖሎጂ ክሳረአን ንምኽሓስ ዋጋታት ፍርያተን ክውስኻ ከገድደን'ዩ።