እስራኤል ንኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናይ ምስጓግ መደባ ሰሪዛቶ

ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ እስራኤል
መግለጺ ስእሊ,

ሓደ ካብቲ ቅድሚ ሐዚ ኣብ እስራኤል ዝተኻየዱ ውዕዉዕ ሰላማዊ ሰልፍታት

እስራኤል ምስ ውድብ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብዝገበረቶ ስምምዕ ንኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናይ ሩዋንዳን ኡጋንዳን ናይ ምስጓግ መደባ ሰሪዛቶ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንያሚን ናታንያሁ ልዕሊ16,000 ሓተትቲ ዑቕባ ዛጊት ናብ ዘይተፈልጣ ሃገራት ምዕራብ ክግዕዙ ምዃኖም ሓቢሩ።

እቶም ዝተረፉ ኣስታት 18,000 ሰባት ከኣ ኣብ እስራኤል ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ክወሃቦም ምኻኑ ማዕከናት ዜና እስራኤል ሓቢረን።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል ነቲ ትማሊ ሰንበት ክጅምር ዝነበሮ ምስጓግ ስደተኛታት ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ዓጊቱዎ እዩ። ነቲ ናብ ኡጋንዳን ሩዋንዳን ናይ ምስጓግ ውሳነ እስራኤላውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ምሁራትን ሞያውያንን ብውዕዉዕ ሰላማዊ ሰልፊ ብትሪ ከምእተቓወሙዎ ዝዘከር እዩ።

እዚ ሓዲሽ መደብ እዚ ኣብ ዝመጽእ ሓሙሽተ ዓመታት ክትግበር ትጽቢት ይግበረሉ። ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስተር ናታንያሁ ነቲ ስምምዕ ፍሉይ እዩ ክብል ገሊጹዎ።

መብዛሕቶም እቶም ስደተኛታት ብመርማሪተ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ዝኽሰስ ሓደ ሰልፊ ካብ ዝመርሓ ኣፍሪቃዊት ሃገር ካብ ኤርትራ ዝመጽኡ እዮም።

እቶም ስደተኛታት ኣብ ሃገሮም ካብ ዘጋጥሞም ሓደጋ ሃድን ሃዲሞም ብምምጽኦም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ውሕስነት ከምዝይሰመዖም እዮም ዝገልጹ። ይኹን እምበር መንግስቲ እስራኤል ንብዙሓት ካብኣቶም ናይ ቁጠባ ስዱዳት እዮም ክብል እዩ ሰምዩዎም ጸኒሑ።

መግለጺ ስእሊ,

እዚ ጉዳይ ስደተኛታት አብ እስራኤል መካትዒ ኮይኑ ፀኒሑ እዩ።

እዞም ስደተኛታት ካበይ እዮም?

ኣብ እስራኤል ካብ ዘለዉ 42 ሽሕ ስደተኛታት እቶም ዝበዝሑ ካብ ኤርትራ ዝተሰደዱ እዮም። ብሓደ ፖለቲካዊ ውድብ (ሰልፊ) እትምራሕ ኤርትራ፡ መራሕቲ ኤርትራ፡ ብገበናት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን፡ ብምግሃስ ሉኣላውነት ሱዳንን ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ተኸሲሳ እያ።

ኣብ ሃገሮም ብዘሎ ሓደገኛ ኩነታት ከምዝስተሰደዱ ዝገልፁ እዞም ስደተኛታት፡ ናብ ካልኦት ሃገራት ምስጓጎም ድማ፡ ውሕስነት ከምዘይህልዎም እናገለፁ መፂኦም እዮም። እስራኤል ግና፡ መብዛሕትኦም ካብ ኣፍሪቃ ዝመፅኡ ሓተትቲ ዑቕባ ቁጠበኦም ንምምሕያሽ ዝደልዩ እዮም ብምባል ክትኩንኖም ፀኒሓ።

መብዛሕትኦም እዞም ስደተኛታት ቅደሚ ሓያሎ ዓመታት ብኣጻምእ ግብጺ ብሲናይ መወዳእታ ዘይብሉ ሽግርን መከራን ሸፋቱ ሲናይ ርእዮም ዝኣተዉ እዮም።

እዚ ጉዳይ ብኸመይ መካትዒ ኮይኑ?

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ፡ እስራኤል ንስደተኛታት ገንዘብ ብምሃብ ናይ ነፋሪት ትኬት ብምድላውን ብወለንታ ካብታ ሃገር ንክወፅኡ እንተዘይኮይኑ ግና ናይ ሓይሊ ከምትወስድ ኣጠንቂቓ። እዚ ጉዳይ ድማ መካትዒ ኮይኑ ፀኒሑ።

ኣምባሰደራት እስራኤል ነበር ሓዊሱ፡ እስራኤላውያንን ማሕበረሰብ ዓለምን፡ እዚ ትልሚ ዘይሕጋውን ምስሊ እስራኤል ዘፀልምን እዩ ብምባል ተቓዊሞም። ትካል ስደተኛታት ዓለም ውድብ ሑቡራት መንግስታት እውን ናይታ ሃገርን ዓለም ለኸ ሕግታትን ዝጥሕስ እዩ ብምባል ኮኒንዎ።

ብርክት ዝበሉ ንስጉምቲ እስራኤል ዝቃወሙ ሰልፍታት ድማ ተኻይዶም። ቤንያሚን ኔታንያሁ ግና ፡ እዚ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ " መሰረት ዘይብሉን ዘይረብሕን" ብምባል "ንትኽክለኛ ስደተኛታት" ጥራሕ ከምተዑቅብ ገሊፁ።