መንግስቲ ኣሜሪካ ን3ቢልዮን ቐረጽ ቻይና ነቒፋ

ገለ ካብቶም ብቀረጽ ቻይና ዝተሃሰዩ ፍርያት ሓሸማ ኣሜሪካ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ገለ ካብቶም ብቀረጽ ቻይና ዝተሃሰዩ ፍርያት ሓሸማ ኣሜሪካ

ቻይና ንዝወሰነቶ ዝተጋነነ ቐረጽ ንከም በዓል ሓሸማን ወይንን ዝርከብዎ ሓያሎ ፍርያት ኣሜሪካ ብምቅዋም መንግስቲ ኣሜሪካ ነቒፍዋ።

ድሕሪ'ቲ ውሳኔ ፕረሲደንት ኣሜሪካ ዶናል ትራምፕ ቐረጽ ኣብ ፍርያት ሓጺን፡ ቤይጂንግ ኣብ 128 ናብ ሃገራ ካብ ዝኣትዉ ፍርያት ኣሜሪካ 25 ሚእታዊት ቐረጽ ሰሊዓ።

ቻይና ነዚ ዝወሰነት፡ መሓለውታ ነቲ እናነሃረ ዝኸይድ ዘሎ ዋጋ ቀረጽ ክስዕብ ንዝኽእል ክሳራታት ንምሽፋን'ዩ።

ዕዳጋታት ዎል ስትሪት ኣሜሪካ ብ2.2 ሚእታዊት ካብ ዝነበሮ ክጎድል እንከሎ፤ ጆው ዶንስ ኢንዳስትሪ ድማ ብ 1̈.9 ሚእታዊት ዝሒሉ።

ኣብ ኤስያ፤ ብሰሉስ፡ ድኳናት ናይኪ ጫማ 225 ንጉሆ ኣብ ዝኸፈታሉ እዋን ዳርጋ 1.5 ሚእታዊት ክመሓየሻ እንከለዋ ድሕሪ ቐትሪ ግን ብዜሮ ነጥቢ ሽድሽተ ሚእታዊት ክሳራ ስዒብወን።

ነዚ ዕንወት ድማ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ኣሜሪካ "ምድቋስ ዓለማዊ ዕዳጋ" ክብል ወቒስዎ።

" ቻይና ንዘላቶ ኩነታት ንምዕቃብን ንዝመጽእ ንምምካትን ነዚ ክትቅጽሎ እያ'' ክትብል ወሃቢት ቃል ሊንድሰይ ዋልተር ገሊጻ።

ቅድም ክትብል መንግስቲ ኣሜሪካ ነዚ ወጥሪ ክልቲኤን ሃገራት ዘስዓበ ክልተ ስጉምትታት ኣብ ሓጺንን ንዋት ምሁራትን ወሲዳ ምንባራ ዝዝከርዩ።

ናይ ኣሜሪካ ኩባንያታት ብወገኖም ስጉምቲ ትራምፕ ግጉይ መንገዲ ንመፍትሒ ወጥርን ጸገማት ክልቲኤን ሃገራትን እዩ ይብሉ።

ኣቦ ወንበር ቤት-ምኽሪ ቻይና ብወገኑ ኣባላት ኩባንያታትና ከም በዓል ደል ኮምፒዩተር ኮካኮላን ካልኦትን መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ነዚ ጸገማት ንምፍታሕ ዝርርቦም ክጅምሩ ብሃንቀውታ ይጽበዩ ከም ዘለው'ዩ ንቢቢሲ ገሊጹ።

"ክልቲኤን ሃገራት እዚ ጉዳይ ናብ ዝልዓለ ጠርዙ ከይበጽሐ እንከሎ መዕለቢ ክገብሩሉ ይግባእ" ክብል እውን ተማሕጺኑ።