"ኢትዯጵያ ንዓይ ሃገረይ እያ፤ ልበይ እውን ኢትዮጵያዊ እዩ"

ሊዮ ናር እናደረፈ

ምንጪ ስእሊ, Delphine Bertrand

'ልጅ ሊዮ' ብዝብል ናይ መድረኽ ሽሙ ዝፍለጥ፡ ሊዮናር፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ምስ ዝተፈላለዩ ድምፃውያን ደሪፉ እዩ።

ቋንቋ ኣምሓርኛ ኣቀላጢፉ ዝዛረብ ልጅ ሊዮ፡ ወለዱ ብምኽንያት ስራሕ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝቐየርሉ ግዘ፡ ወዲ 7 ዓመት እንከሎ እዩ ናብ ኢትዮጵያ መፂኡ።

ዋላ እኳ ኣብ ናይ ፈረንሳይ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝኾነ ቤት ትምህርቲ 'ሊሴ ገብረማርያም እንተተምሃረ፡ ብቑልዕነቱ እዩ ቋንቋ ኣምሓርኛ ንክፈልጥ ድሌት ኣሕዲሩ።።

ኣብ ገዝኦም ምስ ዝነበሩ ሰራሕተኛታትን፡ ናይ ቤት ትምህርቲ መሓዙቱን ቀስ ብቐስ ብምዝርራብ ኣምሓርኛ ለሚዱ።

ወላዲኡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮም ናይ 7 ዓመት ናይ ስራሕ ፃንሒት ዛዚሞም ናብ ሃገሮም ዋላ እንተመለሱ፡ ሊዮ ንኢትዯጵያ ዝነበሮ ፍቕሪ ግና ኣይጠፍአን።

ምስ ኣቡኡ፡ ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ሊዮ፡ ቋንቋ ንምፍላጥ ድሌት ጥራሕ ኣይኮነን ሓዲርዎ፡ ባዕሉ እውን ቅልጡፍ እዩ ነይሩ።

ሊዮ ካብ ቋንቋ ኣምሓርኛ ብተወሳኺ፡ ታሪኽ ኢትዯጵያ እውን ተማሂሩ እዩ። ቋንቋ ኣፀቢቑ ንክመልኽ ግና 10 ዓመታት እዩ ወሲድሉ።

ምንጪ ስእሊ, Ledj Leo

ሊዮ በቢ 10 ዓመት ናብ ኢትዮጵያ ዝመላለስ እንትኸውን፡ ካብ ሙዚቃ ብተወሳኺ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እዩ ዝሰርሕ።

"ኢትዯጵያ ንዓይ ሃገረይ እያ፤ ልበይ እውን ኢትዮጵያዊ እዩ" ይብል።

ኣብ ኢትዮጵያ ንነዊሕ ግዘ ስለዝነበረ፡ ኣብ ናይ ባዕሉ ቤት ብልዒ ምስ ዝቖፀሮም ሰራሕተኛታት፡ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ጥራሕ ስለዝረዳዳእ፡ ነቲ ቋንቋ ንክመልኽ ከምዝሓገዞ እዩ ዝዛረብ።

እዚ ድማ ክእለት ቋንቋ ንከመሓይሽ ካብ ምሕጋዙ ብተወሳኺ፡ ንሙዚቃይ እውን ልዑል ግደ ኣለዎ ይብል።

"ቆልዓ ኮይነ፡ ካብ መረባ ንክወፅእ ዋላ እኳ ኣይፈቐደለይ፡ ኣብ ዝዓበኹሉ ከባቢ ሾላ ዝነበሩ ቆልዑ ግና፡ ብዙሕ ምሂሮምኒ እዮም። ካብዚ ብተወሳኺ ድማ ዝበዝሕ ግዘ ምስ ዝነበረና ዋርድያ አሕልፎ ነይረ። ሬድዮ ኣብ ዝሰምዐሉ እዋን ካብ ጎኑ ስለዘይርሕቕ፡ ብዙሕ ንከመሓይሽ ሓጊዙኒ እዩ" ኢሉና።

ናብ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝኣተወሉ ግዘ እውን እንተኾነ፡ ምስ መማህርቱ፡ ናብ ባህላዊ ኣብያተ ስዕስዒት ብምኻድ፡ ባህላዊ ስዕስዒት ኢትዮጵያ ይስዕስዕ ከምዝነበረ ይዛረብ።

ትማሊ ዘሕለፎ ብምዝካር ድማ፡ "ዋላ እኳ ኣነ ካብ ኢትዯጵያ እንተወፃእኹ፡ ኢትዯጵያ ግና ካብ ነብሰይ ኣይትወፅእን" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Ledj Leo

ነባርነቱ ኣብ ከተማ ፓሪስ ዝገበረ ልጅ ሊዮ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣልበም ሙዚቃ ይሰርሕ ኣሎ።

"ዋላ እብ ፈረንሳይ እንተኾንኩ፡ ኣምሓርኛ ከዛርቡኒ ዝኽእሉ ሓሳባት ኣይስእንን፤ ካብ ቋንቋ ሓሊፉ ክትፎ ዝእንግዱኒ መሓዙት እውን ኣጥርየ" ኢሉና ብሰሓቕ ተዓጂቡ።

እዚ ዝለመዶ ቋንቋ ንከይጠፍኦ፡ ምስ ኢትዯጵያውያን መሓዙቱ ብስካይፕን ቫይበርን ከምዘዕልል ዝገልፅ ሊዮ፡ ሐሓሊፉ ድማ፡ ኣብ ዩ ቲዩብ ዝተፈላለዩ ብኣምሓርኛ ዝተሰርሑ ፊልምታትን ወግዕታትን ይከታተል።

ንሙዚቃ ፍሉይ ፍቕሪ ከምዘለዎ ዝዛረብ ሊዮ፡ ስምዒቱ ንግላፅ ኮነ ምርዳእ ዝኽእል ብሙዚቃ ጥራሕ ምዃኑ ይገልፅ።

"ብተፈጥሮይ ዜማታት ኣብ ውሽጠይ እዮም ዝሕምሱ። መብዛሕትኡ ግዘ ፈለማ ዜማ እዩ ዝመፀለይ" ይብል።

ሓንሳእ ድርሰት ዜማ ምስ መፀአሉ፡ ምስ አ ኢትዯጵያዊ መሓዝኡ ብምዃን ንዘለዎ ግጥሚ ርኢቶ ብምሃብ፡ ሙዚቃ የዋድዱ።

ኣብ ቁልዕነቱ ከሎ እዩ ብፍቕሪ ሙዚቃ ተለኺፉ፤ ንሙዚቃ ፍሉይ ቦታ ኣለዎ።

"ንሰብነትና ምግቢ ከምዘድልዮ ኩሉ፡ ንኣእምሮ እውን ምግቢ የድልይ፤ ንዓይ ድማ ሙዚቃ ከም ምግቢ እዩ" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Victor De Castro

ሙዚቃ ሬጌ ምስማዕ ዝፈትው ሊዮ፡ ኣብ ሓደ ሙዚቃ ጥራሕ ክውሰን ኣይደልን። ብኣንፃሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ናይ ምንባር ልምዱ ዝገልፀሉ ነገር እንተሃለወ፡ ሙዚቃ እዩ።

"እዛ ዓለም ዝተፈላለያ ሃገራት እየን ዘለውኣ። ኣነ ድማ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ስለዝዓበኹ፡ እዚ ኩሉ ከንፀባርቕ ዝኽእል ብሙዚቃይ ጥራሕ እየ'' ኢሉና።

ሙዚቃ ተገዲዱ እንተይኮነስ፡ ደስ ክብሎ ከሎ ዝሰርሕ ሊዮ፡ ንቀፃሊ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት እናዘረ ሙዚቃ ከቕርብ ትልሚ ኣለዎ።

ኣብ ዝነብረሉ ከባቢ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ተረኺቡ ይደርፍ እዩ። ኣብዞም መድረኻት ኣምሓርኛ እንትደርፍ ዝረኣይዎ ዕዱማት፡ ኣምሓርኛ ክዛረብ ምኽኣሉ ይድመሙ።

ብተደጋጋሚ" እዚ ፈረንጂ ካበይ እዩ ኣምፂእዎ እዚ ኣምሓርኛ" ክብልዎ ይሰምዖም።

ንኢትዮጵያውያን ዘለዎ ፍቕሪ ካብ ምግላፅ ንድሕሪት ዘይብል ሊዮ፡ " ምስ ኢትዮጵያ ዘለኒ ርክብ ብፍፁም ኣይቋረፅን። ኣብ ኢትዮጵያ ክነብር ዋላ እንተብሃግኩ፡ ኣብ ሓደ ከባቢ ጥራሕ ስለዝዓበኹ ግና፡ በብግዚኡ ናብ ካልኦት ከባቢ ክቕይር ኣለኒ" ኢሉና።