እስራኤል ኣፍሪቃዉያን ስደተኛታት ናብ ሃገራት ምዕራብ ክትሰድድ በጺሓቶ ዝነበረት ስምምዕ ኣጊዳ

ኣፍሪቃዉያን ስደተኛታት ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ሩዋንዳ ኣብ እስራኤል ለካቲት 7, 2018 Image copyright AFP

ቐዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታኒያሁ ኣብ ዙርያ ኣፍሪቃዉያን ስደተኛታት ምስ ኤጀንሲ ስደተኛታት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት በጺሐሞ ዝነበረ ስምምዕ ንግዚኡ ጠጠዉ ክብል ከምዝገበሩ ኣፍሊጦም።

እዚ ስምምዕ ዕላዊ ምስ ኮነ ድሕሪ ዝተወሰኑ ሰዓታት ኣብዝሓ ስደተኛታት ኣብ ዝርከብሉ ደቡብ ቴል ኣቪቭ ከይዶም ምስ ገለ ነበርቲ ክራኸቡ ከምዝደልዩ ብምግላጽ እቲ ስምምዕ ጠጠዉ ኢሉ ክጸንሕ ኣለዎ ኢሎም።

እዚ ዉሳነ ካብቲ ዝመርሑዎ ጥምረት ተቓዉሞ ከምዘስዓበ ይንገር።

ምስ ኤጀንሲ ስደተኛታት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተበጽሐ ስምምዕ ሓሙሽተ ዓመት ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ እስራኤል ዝኣተዉ ዕቑባ ዝሓቱ ዘለዉ ኣስታት 16 ሸሕን 250 ስደተኛታት ናብ ሃገራት ምዕራብ ክልኣኹ ዝጠልብ እንትኾን፡ ሃገራት ጀርመን፣ ጥልያንን ካናዳን ድማ ካብ ሞንጎ እተን ስደተኛታት ክቕበላ ዝተብሃላ ሃገራት ከምዝኾና ትማሊ ሓቢሮም'ዮም እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር።

እቶም ዝተረፉ ድማ ኣብ እስራኤል ቐዋሚ መንበሪ ፍቓድ ክወሃቦም'ዩ።

እስራኤል ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣፍሪቃዉያን ስደተኛታት ካብ ሃገራት ክወጹ ትእዛዝ ኣመሓላሊፋ ምንባራ ዝዝከር'ዩ።

ነፍሲ ወከፎም 3500 ዶላር እናተዉሃቦም ናብ ትዉልዲ ሃገሮም ወይድማ ናብ ሃገራት ኡጋንዳን ሩዋንዳን ክኸዱ ድማ ኣማራጺ ዝበለቶ ሓሳብ ኣቕሪባ ነይራ'ያ።