ዊኒ ማንዴላ፡ ኣንፃር ኣፓርታይድ ዝሓረነት ተቓላሲት ናጽነት

ውርይቲ ተቓላሲት ዊኒ ማዲኪዜላ ማንዴላ፡ ደሓር ድማ ሰበይቲ ኔልሰን ማንዴላ፡ ኣብ ከተማ ካጊሶ ንህዝቢ መደረ እንትተስምዕ 13 ሚያዝያ 1986 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ዝተወሰደ ምስሊ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ውርይቲ ተቓላሲት ዊኒ ማዲኪዜላ ማንዴላ፡ ደሓር ድማ ሰበይቲ ኔልሰን ማንዴላ፡ ኣብ ከተማ ካጊሶ ንህዝቢ መደረ እንትተስምዕ 13 ሚያዝያ 1986 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ዝተወሰደ ምስሊ

ሞት ናይታ ጓል 81 ዓመት ደቡብ ኣፍሪቃዊት ተቓላሲት ኣንጻር ዓሌታዊ መግዛእቲ (ኣፓርታይድ) ዊኒ ማዲኪዜላ ማንዴላ፡ ድሕሪ ሕጂ ብኸመይ ክትዝከር ኣለዋ ዝብል ሃገራዊ ክትዕ ኣልዒሉ።

ነቶም እሙናት ደገፍታ ሓዊስካ፡ እቶም ዝያዳ ባህላዊ ዝኾኑ ክፋል ሕብረተሰብ ከም ሓንቲ ኣበር ኣልቦ ጓል ኣንስተይቲ ጌርካ ክትዝከር ይደልዩ። ነቲ ልዕልና ጸዓዱ ዝድግፉ ድማ ከም ሓንቲ ጎነጻዊትን ኣበረኛን ሰብ ተገይራ ክትዝከር'ዮም ዝደልዩ።

ዝኾነ ይኹን ነታ ኣነ ዝፈልጣ ዊኒ ማንደላ ዝፈልጥ ሰብ ንድሕሪት ተመሊሱ ኣብ ትሕቲ'ቲ ሕሱም ዓሌታዊ ስርዓት ዘሕለፈቶ ውርደት ክጥምት ይግብኦ።

ኣብ መንበር ኮፍ ኢላ ብመንገዲ ትዊተርን ፈይስቡክን ዝተቓለሰት ዘይኮነት፡ ኣብቲ ሕመት ቃልሲ ኣንጻር ኣፕርታስይድ ተቓላሲት ሓርነታዊ ቃልሲ'ያ ነይራ።

ናይ ኣርባዕተ ዓመት በዓል ቤታ ኔልሰን ማንዴላ ኣብ 1962 ተኣሲሩ ንሕልፈት ምስ ተፈረደን ኣብቲ መሰካሕክሒ ቤት ማእሰርቲ ደሴት ሩቤን ምስተዳጎነን፡ ክልተ ንኣሽቱ ኣዋልድ ደቃ ንብሕታ ክተዕብየን'ያ ተገዲዳ።

ተቓላሲት ማዲኪዜላ ኣብ ሓደ እዋን ናይ ለይቲ ኽዳን ጠኸዲና እንከላ'ያ ተኣሲራ። ፖሊስ ድማ ጎረቤታ ዝነበረት ንኣዝማዳ ደቃ ክኣልዩላ ንክትነግሮም'ኳ ፍቓድ ከሊኡዋ'ዩ።

መግረፊ ክፍሊ

ኣብ 1969፡ ን491 መዓልታት ንበይና ኣብ ሓደ ፍሉይ ክፍሊ ተዳጒና ነይራ። ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያታ ከይተረፈ ብዘይ ገለ መኣንጎቲ ንጽህና ተዳጒና'ያ። እታ ተዳጒናትላ ዝነበረት ክፍሊ ድማ ነጸላ መንደቕ ናይ መግረፊ ክፍሊ'ያ ነይራ።

ኣውያት ናይተን ኣብቲ ነጸላ መናድቕ ናይታ ዝነበረታ ክፍሊ ዝቕጥቀጣ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ንዘልኣለም ካብ ኣእምሮኣ ከምዘይወጽእ ኣብታ "ቁጽሪ እሱር 1323/69" እትብል ኣብ ዕለታዊ መዝገባ (ዳያሪኣ) ዘስፈረታ፡ ድሒራ ድማ ኣብታ 491 መዓልታት (491 ደይስ) ዘርእስታ መጽሓፋ ዘስፈረቶ ጽሑፍ ገሊጻ።

ድሒሩ ድማ ብዙሓት መራሕቲ ቃልሲ ኣንጻር ኣፓርታይድ ኣብ ማእሰርቲ ተዳጒኖም ይሳቐዩ ኣብ ዝነበርሉ እዋን፡ ነቲ ምንቅስቓስ ወኪላቶ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንባዕላ እቲ ምንቅስቓስ'ያ ነይራ።

ንሳ ኣብ እትንቀሳቐሰሉ እዋን፡ እቲ ግንባር ቃልሲ ምስኣ ይንቀሳቐስ ነይሩ። ነቲ ብማእሰርቲ ማንዴላ ዝተፈጥረ ባዶሽ ኣይመልኣቶን (ኣይዓበሰቶን)፡ እንታይ ደአ፡ በቃ ምእንቲ ሓርነት ጸለምቲ ሓላፍነት ናይቲ ቃልሲ ብምውሳድ'ያ ተቓሊሳ።

ስርዓት ኣፓርታይድ መትሓዚ ምስ ሰኣነላ ድማ ካብ መንበሪ ቦትኣ ከተማ ጆሃንስበርግ ወሲዱ ኣብታ ድፋዕ ዕብለላ ጸዓዱ ዝነበረት ብናይ ሽዑ ኣጸዋውዓ ኦሬንጅ ስቴት እትርከብ ብራንድፎርት እትባሃል ሓንቲ ንእሽቶ ገጠራዊት ከተማ ወሲዱ ደርብዩዋ።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ዊኒ ማዲኪዜላ ማንዴላ፡ ናፅነት ፀለምቲ ክገሃድ ብምግባር ኣብ ልቢ ብዙሓት ዝኣተወት ውርይቲ ተቓላሲት እያ።

ዝኾነ ይኹን ሰብ ክበጽሓ ኣይፍቀድን'ዩ ነይሩ። ስልኪ ንምድዋል ግን መዓልታዊ ናብ ቤት ጽሕፈት ፖስታ ትኸይድ ነይራ፡ በዚ መንገዲ'ዚ ድማ ብዛዕባ ጭካነ ስርዓት ኣፓርታይድ ንዓለም ትሕብር ነይራ።

ነቲ ብሰኑይ ድሕሪ ምዕራፋ ብዛዕባኣ ዝተባህለን ዝተጻሓፈን ምስ ሰማዕኩን ኣንበብኩን፡ ገለ ሰባት ታሪኽ ከምዘይፈልጡ ወይ ከአ እኩብ ዝንጋዐ ከምዘለዎን ተነጺሩለይ።

ዓምደኛ ጋዜጣ ነበር ዴቪድ ቡላርድ ኣብ ትዊተር ዝጸሓፎ "እሞ ድሕሪ ናይ ሓደ ትምህርታዊ ለይቲ ናይ ትዊተር፡ ዊኒ ኣንጻር ኣፓርታይድ ብትብዓት ዝተቓለሰት ጻድቕ ምንባራ፡ ግን ከአ ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ድማ ንሰባት ብሓዊ ዘቃጸለትን ቆልዑ ዘቕተለትን ምንባራ ኩልና ተሰማሚዕና ማለት ድዩ?" ዝብል ይርከቦ።

ከምዚኦም ዓይነት ሰባት ነቲ ዊኒ ማንዴላ ኣብ ትሕቲ'ቲ ክሳብ ሕጂ ዓለም ካብ ዝረአየቶም ኣዝዮም ዓሌታውን ጾታውን ኣድልዎ ዝመልኦም ሕጊታት ዘሕለፈቶ ተሞክሮ ዝረስዑ ይመስሉ።

እንተኾነ ግን፡ ትብዓታን፣ ውጽእ ሓይላን ተበግሶኣን ግን ክዕበጥ ኣይክእልን'ዩ።

ዊኒ ማዲኪዜላ ተባዕ ተቓላሲት ጥራይ ኣይነበረትን፡ ኣዝያ መልክዐኛ'ውን'ያ ነይራ። ዋላ እቶም ብኣካል ዝረኸብዋ ፖሊስ ናይ ስርዓት ኣፓርታይድ'ውን ገጻ፣ ዓይናን ፍሽኽታኣን ክርስዕዎ ኣይክእሉን'ዮም። ፍሉይ ተውህቦ ግርማን ስልጣንን'ውን ነይርዋ፡ ብብዙሕ ኩነታታ ድማ ንግስታዊት ነይራ።

ፍጽምቲ ግን ኣይነበረትን፡ ናይ ባዕላ ኣበራት ነይሩዋ። ብምጥፍፋእን ገበናት ምጥላፍ ሰባትን ተሓባቢራ ተባሂላ ተኸሲሳን ገበነኛ ኮይና ተረኺባን እያ።

ዝኾነ ቅኑዕ ሰብ፡ ንዊኒ ማንደላ ኣብ ዝዝክረሉ እዋን ብዛዕባ ወዲ 14 ዓመት ስቶምፔ ሴፐይ ከይጠቐሰ ክሓልፍ ኣይክእልን። ሰላዪ ናይ ኣፓርታይድ ተባሂሉ ድሕሪ ምውቃሱ፡ ብኢድ ኣባላት'ቶም ዓጀብትን ኣውቲስታታትን ናይቲ ኣብ ትሕቲኣ ዝመሓደር ዝነበረ ነውራም ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ተቐቲሉ።

ብኽድዓት ንዝተጠርጠሩ ሰባት ጎማ ናይ መኪና ኣብ ክሳዶም ኣእቲኻ በንዚን ነስኒስካ ናይ ምቅጻል ስጉምቲ ብምድጋፋ ድማ ምስ ብጾታ ኣብ ጎንፂ ኣእትይዋ ነይሩ።

Image copyright AFP

ሓድጊ ኣፓርታይድ

ኩሉ'ቲ ዘሕለፈቶ መከራታት ሃስይዋ'ዩ። ገለ ሰባት ጭንቀት ብድሕረ-ማህሰይቲ ነይርዋ ክኸውን ይኽእል'ዩ ኢሎም ይጥርጥሩ። ብዘይገለ ዕረፍቲ ካብ ሓደ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ናብቲ ካልእ ሕማቕ ትኸይድ ብምንባራ ድማ እዚ ጸገማ'ዚ ተፈዊሱ ኣይፈልጥን እዩ።

ዊኒ ማዲኪዜላ ማንደላ

1936: ትራንስከይ (ምብራቃዊ ኬፕ) ተወሊዳ።

1958: ንኔልሰን ማንደላ ተመርዕያ።

1969: ብምኽንያት ቃልሳ ኣንጻር ኣፓርታይድ ን 18 ኣዋርሕ ተኣሲራ።

1976: ብስርዓት ኣፓርታይድ ካብ ከተማ ናብ ገጠር ተሰጒጋ።

1991: ብገበን ምጥላፍ ሰባት ተኸሲሳ ገበነኛ ኮይና ተረኺባ።

1994: ኣባል ባይቶ ኮይና ተመሪጻ፡ ክሳብ ዕለተ ሞታ ድማ ኣባል ነይራ።

1996: ምስ ማንዴላ ተፋቲሓ።

2003: ብምጥፍፋእ ተኸሲሳ ገበነኛ ኮይና ድማ ተረኺባ።

ሊቀ-ጳጳስ ደዝሞን ቱቱ ኣብ እዋን ርክብ ኮሚሽን ሓቅን ዕርቅን ንዝተገብረ ጌጋታት ኣሚና ይቕረታ ክትሓትት ክልምና እንከሎ ፈጺሙ ኣይርስዓንን። ገለ ገለ ነገራት "ኣዝዮም ሕማቕ ነይሮም" ጥራይ ብምባል ተሰማሚዓ።

"ዊኒ ሕልና ናይታ ድሮ ዘሕዝን ታሪኽ ኣፓርታይድ ዝረስዐት ሃገር'ያ። ዋላ ድሕሪ ሞታ'ውን፡ ሰባት ክሳብ ክንደይ ዝኣክል ከምዝተሳቐየትን ከምዝተሃሰየትን ንዓኣ ይኹን ንስድራቤታ ኣዝዩ ከምዝሃሰዮም ኣይርድኡን እዮም።

ሎሚ ደቡብ ኣፍሪቃ ሓንቲ ካብተን ኣዝዩ ዝዓበየ ገበናት ዝፍጸመለን ሃገራት'ያ። ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ዝተሃሰዩ ደቡብ ኣፍረቃውያን ኣለዉ። ሓድጊ ናይ ኣፕርታይድ ድማ'ዮም። ነቶም ዝተሃስዩ ብምዝካርን ብምፍዋስን ኢና ድማ ንሓድጊ ዊኒ ነኽብሮ።

ምስ መላእኽቲ ደቅሲ 'ኖምዛሞ' (ካልእ ስም ዊኒ)" ኢላ ኣብ ፌስቡካ ጽሒፋ፤ ካብ 1970ታት ኣትሒዛ ንዊኒ ዝፈለጠታ ደራሲት ቻርሊን ስሚዝ።

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
ዊኒ ማዲኪዜላ ማንዴላ መን ነይረን?