ኩዌት ብፍሊፒንስ እገዳ ምስ ተነበረላ ኢትዮጵያውያን ሰራሕተኛታት ገዛ ከምትደልይ ኣፍሊጣ

ካብ ስዑድ ዓረብ ዝተመለሱ ኢትዮጵያውያን Image copyright Getty Images

ኣብ ኩዌት ትሰርሕ ዝነበረት ፊሊፒናዊት ሰራሕተኛ ገዛ፡ ተቐቲላ ኣብ ውሽጢ ፍሪጅ ምርካባ ስዒቡ፡ ፍትሒ ንጆሃና ዝብል ብርክት ዝበለ ተቓውሞታት ይቐርብ ኣሎ።

ብድሕሪ እዚ ፊሊፒንስ ዜጋታታ ኣብ ሃገራት ኣዕራብ (ገልፍ) ንከይሰርሑ ኣጊዳ። ኣብታ ሃገር ዘሎ ሕፅረት ሰራሕተኛታት ገዛ ንምሽፋን ኢትዮጵያውያን ሰራሕተኛታት ገዛ ክቖፅሩ ከምዝደልዩ ድማ ሰበ-ስልጣን ኩዌት ኣፍሊጦም።

ሓላፊ ጉዳያት ነበርቲ ኩዌት ገን ጣላል ዓል-ማሪፍ ንኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ከምዝሓበርዎ፡ "ኣብታ ሃገር ዘሎ ክፍተት ሰራሕተኛታት ገዛ ንምምላእን ዋጋ ንምንካይን ኢትዮጵያውያን ሸቃሎ ክቖፅሩ ይደልዩ። "

መንግስቲ ፊሊፒንስ ዜጋታቱ ኣብ ኩዌት ንከይሰርሑ ዝኸልከለ፡ ኣብ 2016 ደሃያ ዝጠፍአ ጓል 29 ዓመት ጆሃና ዴማፍሊስ ብዝተፈፀመ ቅትለት እዩ።

ኣስከሬን ጆሃና ሎሚ ዓመት ኣብ ፍሪጅ ተቐሚጡ ዝተረኸበ እንትኸውን፡ ብዘስካሕክሕ ኣቀታትላ ከምዝተቐተለት ድማ ምልክታት ይሕብሩ።

ነዚ ቅትለት ዝፈፀሙ ኣስራሕታ ሊባኖሳዊ ሰብኣይን ሶርያዊት ሰበይትን ድማ፡ ኣብዚ ሰሙን እዚ ብይን ሞት ተፈሪድዎም።

Image copyright Getty Images

እዚ ከምዘሎ ኮይኑ፡ ኢትዮጵያ እውን ንዓመታት ዜጋታት ኣብ ሃገራት ኣዕራብ ንከይሰርሑ ኣቐሚጣቶ ዝነበረት ገደብ ቅድሚ ዝተወሰኑ ኣዋርሕ ኣብ ዝሓለፈ ኣልዒላ ኣላ።

ኢትዮጵያ ዜጋታታ ንከይሰርሑ ዝኣገደት፡ ኤጀንሲታት ሰራሕተኛ፡ ዜጋታት ብምስዳዕ፡ ኣብ ዘይጥዕም ኩነታት ንክሰርሑን ዝተፈላለዩ ብድዐታት ንክፍፀሞም ብምግባሮምን እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፖሊስ ኩዌት፡ ኢትዮጵያዊት ሰራሕተኝኣ ካብ ሻብዓይ ፎቕ እንትትፀድፍ እናረኣየት ኣብ ክንዲ ክተድሕና ምፍታን ፡ እቲ ኩነታት ብምስሊ ንዝቐረፀት ሰበይቲ ምእሳሩ ይዝከር።

ተሓለቅቲ ሰብኣዊ መሰላት ንኩዌትን ካልኦት ሃገራት ዓረብን፡ ንሰራሕተኛታት "ካፋላ" ብዝበሃል ስርዓት ምምሕዳረን ብተደጋጋሚ ይኹንነን።

'ካፋላ' ወይ ድማ ምወላ ተባሂሉ ዝፍለጥ መስርሕ፡ ንስደተኛ ሰራሕተኛታት ቪዛ ብምሃብ፡ ብዘይካ ፍቓድ ኣስራሕቶም ካብታ ሃገር ንከይወፅኡን ስራሕ ንከይቕይሩን ዝእግድ መስርሕ እዩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ልዕሊ 15 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ኣብ ኩዌት ይሰርሑ ምህላዎም ጣላል ዓል-ማሪፍ ሓቢሮም።