ካኩማ፡ ቀፃሊ መዕቖቢ ስደተኛታት ሞያሌ

ቻሙክ ካብ ዝበሃል ቀበሌ ዝተመዛበሉ ካብ ላስቲኽ ዝሰርሕዎም ገዛውቲ።
ናይ ምስሊ መግለጺ ቻሙክ ካብ ዝበሃል ቀበሌ ዝተመዛበሉ ካብ ላስቲኽ ዝሰርሕዎም ገዛውቲ።

ቅድሚ ዝተወሰኑ ሰሙናት፡ ኣካላት ፀጥታ መንግስቲ ብሰንኪ ግጉይ ሓበሬታ ብዝፈፀምዎ ቅትለት፡ ካብ ሞያሌን ከባቢኣን ዝሃደሙ ተመዛበልቲ ፡ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሶም።

ቁፅሪ ኣብ መዕቖቢ ስደተኛታት ኬንያ ዝተረፉ ስደተኛታት እውን ዝነዓቕ ኣይኮነን። ካብ መረበቶም ካብ ሞንጎ ዝተመዛበሉ ኢትዯጵያውያን ወይዘሮ ኣይሻ ጎሊቱ ሓንቲ እየን።

እዚ ፀገም ኣብ ዝተፈጠረሉ እዋን፡ ህይወተን ንምትራፍ ን11 ደቀን ሒዘን ናብ ኬንያ ሃዲመን እኳ እንተነባራ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ግና ምስ ደቀን ናብ መረበተን ተመሊሰን።

"ኩሎም ዋላ እኳ እንተዘይኾኑ ናብ ሃገሮም ዝተመለሱ ኣለዉ። ንሕና ናብ ኢትዮጵያ፡ ካብ ንምለስ ሓደ ሰሙን ጌርና። ኣብቲ እዋን ንውልቀ ሰባት ዝቐተሉ ሰባት ተኣሲሮም እዮም ተባሂሉ ኣሎ። ሕዚ ብሰላም ኢና ንሓድር ዘለና፤ ድምፂ ተኹሲ ኣይስማዕን" ኢለናና።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ጥቓ ዶብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከብ ግዚያዊ መዕቖቢ ስደተኛታት ሶመሬ በዝሖም ዘይተነፀሩ ስደተኛታት ኣለዉ።

ኣተሓባባሪ ግዚያዊ ረድኤት ዎርልድ ቪዥን እቲ መዓስከር ደንከን ኦዲኦ ብወገኖም፡

" ዋላ እኳ ዶብ ሰጊሮም ናይ ዝመፅኡ ቁፅሪ ስደተኛታት እንተነከየ፡ እቲ ኩነታት ብዙሕ ኣይተለወጠን። ስደተኛታት መዝጊብና ሒዝና ኣለና። ክሳብ ሕዚ ብመሰረት ዘለኒ ሐበሬታ ንሕና ካብ ሞንጎ ዝመዝገብናዮም ኣይተመለሱን" ክብል ገሊፁ።

ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ጋዜጠኛ ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ፡ ግዚያዊ መዓስከር ስደተኛታት ሶመሬ፡ ንስደተኛታት ብምምዝጋብ ፡ ናብ መዓስከር ስደተኛታት ካኩማ ከዘዋውር እዩ።

" ኣብ ዝቐፅል ክልተ ሰሙን መንግስቲ መረዳእታን ዓሻራን እቶም ስደተኛታት ምስ ኣከበ፡ ከም ስደተኛታት ክምዝግቦም እዩ" ክብል ገሊፁልና።