ቅዱስ ሰሙን፡ ጸሓፍቲ ታሪኽ ብዛዕባ ሓቀኛ መልክዕ እየሱስ እንታይ ይብሉ?

ብሲሰሮ ሞራስ ዝተደኮነ ምስሊ እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘመን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝነበሩ ኣይሁድ፤ ናብ ጽልሚ ዝኸደ ጨጉሪ ርእሲ፤ ሓመዳዊ ሕብሪ ዓይንን ቆርበትን ኔርዎም። Image copyright CÍCERO MORAES / BBC BRASIL
ናይ ምስሊ መግለጺ ብሲሰሮ ሞራስ ዝተደኮነ (ዝተቐብእ) ምስሊ እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘመን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝነበሩ ኣይሁድ፤ ናብ ጽልሚ ዝኸደ ጨጉሪ ርእሲ፤ ሓመዳዊ ሕብሪ ዓይንን ቆርበትን ኔርዎም።

ካብ ዘመን ናብ ዘመን ስግግር ንግስነት ዘስዓቦ፡ ኣብ ስነ-ጥበብ ይኹን ሃይማኖት እቲ ህቡብ መልክዕ እየሱስ፤ ቀይሕ፤ ጨሓም፤ ንዊሕ ሓመዳይ ጨጉርን ሰማያዊ ሕብሪ ዓይንን ዘለዎ ኮይኑ ጸዲቑ።

ዋላ'ኳ ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ስእሊ ካብ ምዃን ሓሊፉ ኣብ ዓለም ብልዕሊ ክልተ ሽሕ ሚልዮን ህዝቢ ክርስትያን ዝምለኽ እንተኾነ፤ ባዛዕባ ሓቅነቱ ምዝራብ ግን ኣድላይ ምዃኑ ተመራመርቲ ይዛረቡ።

ጸሓፍቲ ታሪኽ ከም ዝብልዎ እቲ ናይ ቀደም ዘመን እየሱስ ከም'ቶም ኣብ'ቲ እዋኑ ዘነበሩ ኣይሁዳውያን ጸሊም፤ ሓጺርን ጸጉሩ ብስርዓት ዘተቐምቀመን'ዩ ኔሩ።

"እቲ ንምፍላጡ ኣጸጋሚ ኮይኑ ዘሎ ግን፡ እየሱስ ናብ ክርስትና ብኸመይ ከም ዝመእጸን፤ ሓድሽ ኪዳን መጽሓፍ ቅዱስ 'ውን እንተኾነ ብዛዕባ እየሱስን ተግባራቱን ከምኡ'ውን ወዲ ሰላሳ ዓመታት ኣቢሉ ይኽውን ከምዘነበረን ካብ ምግላጽ ሓሊፉ ካልእ ዝብሎ የሎን"

ክብል ጸሓፊ ታሪኸ ኣብ ኪንግስ ኮለጅ ለንደን ፡ ክፍሊ ሃይማኖትን እምነትን ኒውዘላንዳዊ ፕሮፌሰር ጆን ኢተይለር ኣብ'ታ "እየሱስ እንታይ ይመስል ኔሩ?" እትብል ሓዳሽ መጽሓፉ ግሊጹ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ንመረዳእታ ሰነድ ቢቢሲ ብ ክኢላ ሪቻርድ ኔቭ ኣብ 2001 ዝቐረበ ምስሊ።

ጸሓፊ ታሪኽ ዩኒቨርሲቲ ርዮ ዲጄኔሮን ደራሲ መጽሓፍ "ሓጺር መባእታ ብዛዕባ ታሪኻዊ የሱስ"፤ ፕሮፌሰር ኣንድረ ሊዮናረዶ ቸቪታረስ ብወገኑ፡ "እዚ ሕጽረት ኣገዳሲ ዝኾነ መረዳእታታት እምብኣር፤ እቶም ናይ ቀደም ሰዓብቲ የሱስ ንሱ ዝገብሮን ዝኽተሎን እምበር ብዛዕባ ሰብነታዊ ኣቛሙ ዝግደሱ ከምዘይነበሩ'ዩ ዘርኢ" ይብል።

ሽከና ርእሲ 1ይ ክፍለ-ዘመን

እቲ ብሕጋዊ ብሪጣንያዊ ናይገጽ ስርሓት ክኢላ ሪቻርድ ናቪድ፤ ኣብ 2001 ብቢቢሲ ዝተፈነወ ሰነዳዊ ትሕዝቶ እምብኣር ነዚ ሓቅነት ኣብ ምርካብ ዝቐረበ እዩ ኔሩ።

ኣብ'ዚ እዋን፡ ካብ'ቲ እየሱስ ዝነበረሉ ቀዳማይ ክፍለ-ዘመን፤ ነበርቲ ሓደ ቦታ ዝነበሩ ሰለስተ ጥንታውያን ሽክና ርእሲ ከም መርኣያ ቀሪቡ፡ እቲ ልክዕ የሱስ ክኽውን ዝኽእል ገጽ ንምርካብ በቒዑ።

እቲ ኣስከሬናት ዘመልከቶ ድማ ልክዕ ናይቶም ኣብ'ቲ እዋን'ቲ ዘነበሩ ኣይሁዳውያን ቅረጺ ዝሓዘ ማለት፤ እቲ ማእከላይ ቁመት 1.6 ሜትሮ፡ ናይ ዝበዝሑ ደቂ-ተባዕትዮ ከብደት ልዕሊ ሓሙሳ ኪሎ ኣቢሉ ይኽውን ምንባሩ'ዩ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኤውሮጳዊ ገጽታ ዝሓዘ ስእሊ እየሱስ ኣለኩም'ዶ?

ጸሓፋይ እቲ ሓድሽ መጽሓፍ ተይለር'ውን ኣብ'ዚ መደምደምታ'ዩ በጺሑ።

እቶም ብግዜ እየሱስ ዘነበሩ ኣይሁዳውያን እምብኣር ምስ ናይ እዚ ዘመን'ዚ ዒራቓውያን ኣይሁድ ተፈጥሮኣዊ ተመሳሳልነት ዘለዎም ኮይኑ፤ እየሱስ ልክዕ ከምኦም፡ ናብ ጽልሚ ዝኸደ ጨጉሪ ርእሲ፤ ሓመዳዊ ሕብሪ ዓይንን ቆርበትን ኔርዎ ዝብል ድምዳመ ተጌሩሊሎ።

ጽልም ዝበለን ነዊሕ ጸጉሩ

ክኢላ ስነ-ሕግን ኣዳኹና ገጽን ብራዚሊያዊ ነዳፊ ስእሊ ሲሰሮ ሞራስ፡ ኣብ ቢቢሲ ብራዚል ኣብ ዘቕረቦ ሰነዳዊ ፈነወ፤

መብዛሕትኡ ካብ ነበርቲ እቲ ከባቢ ብዝረኸቦ ሓበሬታ "እዚ ከባቢ በረኻ ብምዃኑ ኣብ'ዚ ዝነብሩ ሰባት ብዋርዋርታ ጸሓይ ዝቐምሰሉን ጸሊም ሕብሪ ቆርበት ዘለዎምን'ዮም" ዝብል እዩ።

በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፤ ሃዋርያ ጳውሎስ "ጸጉሪ ርእሲ ዘንውሕ ወዲ ተባዕታይ ጽዩፍ'ዩ" ዝብል ጽሒፉ ክነሱ ብኸመይ እየሱስ ነዊሕ ጨጉሪ ይህልዎ? ዝብል ክትዕ ኣሎ።

ጸሓፊ ታሪኽ ጆን ታይለር "ኣብ ሮማውያን ወዲ ተባዕታይ ጭሕሙ ክላጸን ሓጺር ጸጉሪ ክህልዎን ይግባእ። ተማራማራይ እንተኾይኑ ግን ጭሕሙ ከንውሕ ይኽእል"ይብል።

ድሒሩ ኣብ ዝመጸ ተርእዮታት ክርስትና ግን፤ ነዊሕ ጭሕሚ ከም መግለጺ ልውህናን ጉስናን ዝተወስደ ኮይኑ፤ ተመራመርቲ፡ መምሃራንን ኣቕሽሽትን'ውን ከዘውትርዎ ከም ዝጀመሩ፡ ኣብ ጳጳሳዊ ካቶሊክ ዩኒቨርሲቲ ሳኦ ፓውሎ፡ ተማራማራይ ፕሮፌሰር ዊሊያም ስቴጋል ይገልጽ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ናይ ዓሰርተ ሹድሽተ ክፍለ-ዘመን ብ ማትያስ ግሩነዎልድ ዝተሳእለ፤ እየሱስ ተሰቒሉ ከሎ ዘርኢ ስእሊ።

መሎኮታዊ ገጽታ

ደራሲ 'እቲ ሓድሽ መጽሓፍ' ታይለር'ውን፤ ገጽታ ስእሊ እየሱስ ካብ እዋናት ንድሓር ምስ እምነት ተተሓሒዙ ብዝመጽእ መርገጺ ነቲ ወዲ ሰብ ዝኾነ እየሱስ ዘይኮነስ ነቲ ወዲ ኣምላኽ'ዩ ዘንጸባርቕ።

ኣስዒቡ፡ "እዚ ድማ'ዩ እቲ ዘገርመኒ፤ ምኽንያቱ'ስ ኩሉ ጊዜ ንእየሱስ ክርእዮ እደሊ ፡ ነቲ ጨሓም የሱስ" ይብል ፕሮፌሰር ዊሊያም ስቴጋል።

ምብራቓውያን ካቶሊኽ ኣብ ኣብያተ-ክርስትያናቶም፤ ስእሊ እየሱስ የዋህ ገጽ፡ ክሳዱ ነየማን ዝቀነን ኣብ ጥቓ የዒንቱ ድኽም ዝበሉ ናይ ሓዘን ሕንጻጻት ዝሓዘለ ተሰቒሉ ንረኽቦ።

ኣብ ካልእ ቦታትትን ዓድታትን ድማ ዝተፈላለዩ ስነ-ጥበበኛታት

ከከም ዝጥዕሞም የቐምጥዎ።

ኣብ ጥንታዊት ፖርቹጋል ግዝኣት ቻይና ነበር ማካዎ ድማ፤ ስእሊ እየሱስ ብኣከዳድና ቻይናውያን፡ ዓይኑ ናብ ጎቦ ዝቐነነ'ዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ገለ ኣሰራት ጸሊም የሱስ ከም ዘሎ'ዮም ጸብጻብ እዞም ተመራመርቲ ዝሕብሩ።

ስለዚ እቲ ፍልልይ ኣብ ሞንጎ ኤውሮጳውያንን ሓደሽቲ እምነታት ርሑቕ ሃገራትን ንእየሱስ ብዝምልከት ሓደ ሓደ ነገራት ክለዓል እንከሎ ተነቃፊ ብምዃኑ፡ መጽናዕትታት ዓሌት እየሱስ እናዛሕተለ ይኸይድ ከምዘሎ'ዩ ተሰኒዱ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት