ብስፖርት ኣመኻንዮም ቪዛ ዝረኸቡ፡ 50 ናይ ሓሰት ጋዜጠኛታት ጋናውያን ተጠሪዞም

ጋናውያን ኣትሌታት ኣብ መኽፈቲ እዚ ምድላው ተሳቲፎም እዮም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ,

ጋናውያን ኣትሌታት ኣብ መኽፈቲ እዚ ምድላው ብኸምዚ ደሚቖም ነይሮም።

ኣብ ኣውስትራልያ ናብ ዝካየድ ውድድር ስፖርት ኮመን ወልዝ ዘቃልሑ መሲሎም ቪዛ ክረኽቡ ዝፈተኑ 50 ጋዜጠኛታት ጋና፡ ዝቐረበሎም ሕቶ ስፖርት ምምላስ እንትትስእኑ ተባሪሮም።

እዞም ተጠረዝቲ ዋላ እኳ ትክክለኛ ቪዛ ረኺቦም እንተነበሩ፡ ደሓር ንዝቐረበሎም ቅርበት ዘለዎም ስፖርታዊ ሕቶታት ምምላስ ምስ ሰኣኑ ግና ዕጨኦም ማእሰርቲ ኮይኑ ነይሩ እዩ።

ሚኒስትር መናእሰይን ስፖርትን ጋና ፒዮስ ኢናም ሃዚደ፡ ነዚ ኩነታት ንምፅራይ ምርመራ ተኺፉቱ ኣሎ ኢሎም።

ይኹን እንበር እዞም ናይ ሓሰት ጋዜጠኛትት ውድድር ኮመን ውልዝ ንከቃልሑን ናይ ኣውስትራያ ቪዛ ንክረኽቡን ከምዘይሓገዝዎም እቶም ሚኒስትር ሓቢሮም።

እቲ ሚኒስትሪ ናይ ጋዜጠኛታት ቪዛ ከምዘየሳልጥ ድማ ምክትል ሚኒስተር መንእሰያትን ስፓርትን ፒዮስ ኢናም ሃዚደ ገሊፆም።

እዚ ክሕደት ክፍጠር ዝኸኣለ፡ ሓደ ካብ ሞንጎ እቶም ተጠረዝቲ ንሓደ ናይ ጋና ሬድዮ ጣብያ፡ ሰበ ስልጣን ኮሚቴ ኦሎምፒክስ ስፖርትን ሚኒስትር ስፖርትን ጋና፡ ከም ጋዜጠኛ መሲሎም ክፅብፅብሉ ዝኽእሉ ቪዛ ንምርካብ ካብ 2 ክሳብ 5 ሽሕ ዶላር ከፊሎም ምንባሮም ድሕሪ ምቅልሑ እዩ።